ኣዲስ ኣበባ፣ 26 ሚያዝያ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ሚኒስትር ጥዕና ዶክተር ሊያ ታደሰ ሕማም ጊኒ ዎርም ካብ ኢትዮጵያ ንምጥፋእ እናተሳለጡ ዝርከቡ ተግባራት ንምዕዛብ ናብ ክልል ጋምቤላ ኣቲየን።
እተን ሚኒስትር ኣብ መዕርፎ ነፈርቲ ጋምቤላ እንትበፅሓ፥ ብላዕለዎት ኣመራርሓታት እቲ ክልል ኣቀባበል ተገይሩለን።
ዶክተር ሊያ ክልተ መዓልቲ ኣብ ዝህልወን ፃንሒት ዝርገሐ ሕማም ጊኒ ዎርም ብተደጋጋሚ ኣብ ዝረኣየለን ወረዳታት ጎግን ኣቦቦን ዑደት ክገብራ ኢየን ዝብል ትፅቢት ኣሎ።
ኣብቲ ዑደት ዶክተር ሊያ ሓዊሱ ላዕለዎት ኣመራርሓታት ፌዴራል ክልልን መሓዙት ኣካላትን ከምዝሳተፉ ካብ ቢሮ ኮሙዩኒኬሽን ክልል ጋምቤላ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡
ንኢትዮጵያ፦ ነልምዕ፣ ንህነፅ፣ ንዳሎ!
እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦
ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana
ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/
ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision
ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna
https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!
ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት
https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።