ዶናልድ ትራምፕ ሆንግኮንግ ካብ ዋሸንግተን ትረኽቦ ዝነበረት መሰል ፍሉይ ተራባሕነት ንኽቋረፅ ኣዚዞም

ኣዲስ ኣበባ፣ 8 ሓምለ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ፕዚዳንት ኣሜሪካ ዶናልድ ትራምፕ ሆንግኮንግ ካብ ዋሸንግተን ትረኽቦ ዝነበረት መሰል ፍሉይ ተራባሕነት ንኽቋረፅ ኣዚዞም

እቶም ፕዚዳንት፥ ከተማ ሆንግኮንግ ካብ ዋሸንግተን ብኹሉ ዓውዲ ዝወሃባ ዝነበረ መሰል ፍሉይ ተረባሕነት ዘቋርፅ ፕሪዚዳንታዊ ውሳነ ሎሚ መዓቲ ፈሪሞም።

እቲ ናይ ሎሚ ስጉምቲ ቻይና ኣብ ሆንግኮንግ ንኽትግበር ምስ ዘውፀአቶ ሓዱሽ ሕጊ ድሕንነት ተተሓሒዙ ዝተወሰደ ኢዩ ተባሂሉ።

ዳናልድ ትራምፕ ኣብ ዘስምዑዎ መደረ፥ ቻይና ኣብ ልዕሊ ነበርቲ ሆንግኮንግ ዝፈፀመቶ ተግባር ተሓታቲት ዝገብር ፕሬዚዳንታዊ ውሳነ ከምዘመሓላለፉ ገሊፆም።

ሆንግኮንግ ድሕሪ ሕዚ ብወገን ኣሜሪካ ልክዕ ከም ቻይና ክትረአ ኢያ ኢሎም።

ብመሰረት እቲ ውሳነ ድማ ኣሜሪካ ንሆንክጎንግ ፍሉይ ኢኮኖሚያዊ ተረባሕነት ኣይትህብን ኣድለይቲ ዝኾኑ ውፅኢታት ቴክኖሎጂ እውን ኣይትልእኽን ተባሂሉ።

ትራምፕ ካብ ምኽልካል ኢኮኖሚያዊ ተረባሕነት ሓሊፉ ቻይና ንዝተግበረቶ ሓዱሽ ሕጊ ድሕንነት ሓገዝ ኣብ ልዕሊ ዝገበሩ ውልቀ ሰባትን ባንኪታትን ማዕቐብ ዘንብር ረቂቕ እውን ኣፅዲቖም ኢዮም።

ቻይና ብግደኣ ንውሳነ ዶናልድ ትራምፕ ስዒቡ ናይ ምላሽ ስጉምቲ ክወስድ ኢየ ኢላ ኣላ።

ቤት ዕዮ ጉዳያት ወፃኢ ቻይና ከምዝበሎ፥ ጉዳይ ሆንክጎንግ ጉዳይ ቻይና እምበር ጉዳይ ካሊእ ሃገር ኣይኮነን ብምባል ኣሜሪካ ኢዳ ንኸይተእቱ ኣጠንቒቑ።

ፍልፍል፦ ሬውተርስ

Comments (0)
Add Comment