ዶላንድ ትራምፕ ኣሜሪካ ንውድብ ጥዕና ዓለም ትገብሮ ዝነበረት ሓገዝ ንኽተቋርፅ ውሳነ ኣመሓላሊፎም

ኣዲስ ኣበባ፣ 7 ሚያዚያ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ፕሬዚዳንት ኣሜሪካ ዶናልድ ትራምፕ ኣሜሪካ ንውድብ ጥዕና ዓለም ትገብሮ ዝነበረት ሓገዝ ንኽተቋርፅ ትእዛዝ ምምሕልላፎም ኣፍሊጦም።

እቶም ፕሬዚዳንት፥ ምስ ዝርገሐ ለበዳ ሕማም ቫይረስ ኮሮና ተተሓሒዙ ውድብ ጥዕና ዓለም ሓለፍነቱ ብኣግባቡ ኣይተዋፀአን ክብሉ ወቒሶም።

ይኹን እምበር ንምቁፅፃር ዝርገሐ እቲ ቫይረስ ፕሬዚዳንት ትራምፕ ዝኽተሉዎ ዘለዉ መገዲ ብዜጋታትን ፖለቲካታትን ሃገሮም ወቐሳ ይቐርበሎም ኣሎ።

ዋና ዳይሬክተር ውድብ ጥዕና ዓለም ዶክተር ቴድሮስ ኣድሓኖም፥ ለበዳ ሕማም ቫይረስ ኮሮና ፖለቲካዊ ምግባር ኣግባብ ኣይኮነን ክብሉ ንዝቐረበሎም ወቐሳ ነፂጎም።

ዋና ፀሓፊ ውድብ ሕቡራት መንግስታት ኣንቶኒዮ ጉተሬዝ ብግደኦም፥ ኣብዚ ሕዚ እዋን ንውድብ ጥዕና ዓለም ዝግበር ገንዘባዊ ሓገዝ ምቁራፅ ሰዓቱ ኣይኮነን ኢሎም።

ኣሜሪካ ንውድብ ጥዕና ዓለም ዝለዓለ ሓገዝ ትገብር ሃገር እንትትከውን፥ ኣብ ዝሓለፈ ናይ ኣውሮፓውያን ዓመት 15 ሚኢታዊ፤ በጀት ናይቲ ትካል ማለት እውን 400 ሚሊየን ዶላር ክትሽፍን ክኢላ ኢያ።

ፍልፍል፡- ቢቢሲ

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

Comments (0)
Add Comment