ኣዲስ ኣበባ፣ 30 ጥቅምቲ፣ 2017 (ኤፍ ቢ ሲ)ውሕስነት ምግቢ ንምርግጋፅን ድኽነት ንምቕናስን ኣህጉራዊ ናፃ ቀጣና ንግዲ ኣፍሪካ ወሳኒ ኢዩ ክብሉ ፕሬዚዳንት ታዬ ኣፅቀስላሴ ገሊፆም።
መበል 15 ኣኼባ ቤት ምኽሪ ሚኒስትራት ኣህጉራዊ ናፃ ቀጣና ንግዲ ኣፍሪካ ኣብ ኣዳራሽ ሕብረት ኣፍሪካ ኣዲስ ኣበባ ይሳለጥ ኣሎ።
ፕሬዚዳንት ታዬ ኣብ ዝገበርዎ መኽፈቲ መደረ፥ ኣህጉራዊ ናፃ ቀጣና ንግዲ ኣፍሪካ ሃገራት ንምቅርራብን ብንግዲ ንምዝማድን ልዑል ዓቕሚ ኣለዎ ኢሎም።
ኣፍሪካ ምግቢ ውሕስናኣ ንምርግጋፅ፣ ድኽነት ንምቕናስን ማዕርነት ፆታ ንምርግጋፅን ልዑል ግደ ከምዘለዎ እውን ኣብሪሆም።
ብታሪኩ ለገሰ