ድርቂ ብዘላቕነት ንምክልኻል ዝጀመርናዮም ፕሮጀክት ህንፀት ኣናእሽተይ ግድባት ክነቀላጥፎ ኢና – ቀዳማይ ሚኒሰስትር ኣቢይ

ኣዲስ ኣበባ፣ 17 ጥሪ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ድርቂ ከየጋጥም ብዘላቕነት ንምክልኻል ኣብ ቆላማ ከባቢታት ምኽዛን ማይን ኣጠቓቕማን ንምምሕያሽ ዝጀመርናዮም ፕሮጀክት ህንፀት ኣናእሽተይ ግድባት ክነቀላጥፎ ኢና ክብሉ ቀዳማይ ሚኒሰስትር ኣቢይ ኣሕመድ ገሊፆም።

ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ ኣብ ማሕበራዊ ምትእስሳር ገፆም ኣብ ዝፀሓፉዎ መልእኽቲ፥ ኣብ ክልል ሶማሌ ብድርቂ ንዝተጎድኡ ተመዛበልቲ ሓገዝ ካብ ሞንጎ ዝገብሩ ብዙሓት ማሕበረሰባት ዝርከበሉ ሓደ ቀብሪበያን ሎሚ ንጉሆ ምዕዛቦም ገሊፆም።

ስለዝኾነ ድማ ብግዝያዊነት ከም ኣቕረብቲ ማይ ተሸከርከርቲ፣ ምግቢ፣ ንእስሳት ዝኸውን ምግቢን ኣዚዮም ኣድለይቲ ዝኾኑ ኣፋውስን ዝበሉ ቀረባት ምቕራብና ከምዝጠናኸር ገሊፆም።

ድርቂ ከየጋጥም ብዘላቕነት ንምክልኻል ኣብ ቆላማ ከባቢታት ምኽዛን ማይን ኣጠቓቕማን ንምምሕያሽ ዝተጀመሩ ፕሮጀክታት ህንፀት ኣናእሽተይ ግድባት ከምዝቀላጠፍ እውን እቶም ቀዳማይ ሚኒሰስትር ኣፍሊጦም።

ንኢትዮጵያ፦ ነልምዕ፣ ንህነፅ፣ ንዳሎ

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

Comments (0)
Add Comment