ድምፃዊ ኣለማየሁ እሼቴ ካብዛ ዓለም ብሞት ተፈልዩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 28 ነሓሰ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ፍሉጥ ድምፃዊ ኣለማየሁ እሼቴ ብሃንደበታዊ ሕማም ካብዛ ዓለም ብሞት ተፈልዩ።

“ተማር ልጄ” ብዝብል ዘበን ተሳጋሪ ደርፉ ዝፍለጥ ድምፃዊ ኣለማየሁ እሸቴ፥ ፍርቂ ለይቲ 27 ነሓሰ 2013 ዓ.ም ሃንደበት ከምዝዓረፈ ተሓቢሩ።

ውሩይ ሙዚቀኛ ኣለማየሁ እሸቴ ብዝፃወቶም ስራሕቲ ሙዚቅኡ፥ ‘ኤልቪስ ፕሪስሊ’ ኢትዮጵያ ዝብል ቅልፅል ስም ተዋሂቡዎ ነይሩ።

ስቀሽ አታስቂኝ” ፣ ” እንደ አሞራ ክንፍ አውጥቼ ልብረራ”፣ ” ማን ይሆን ትልቅ ሰው” ፣ ” ምሽቱ ደመቀ”፣ “ኣዲስ ኣበባ ቤቴ”፣ “የወይን ሃረጊቱ” ፣ “የሰው ቤት የሰው ነው”፣ “ደንየው ደነባ”፤ “ትማርኪያለሽ”፣ “ወልደሽ ተኪ እናቴ”ን ” ተማር ልጄ”ን ካብ ሞንጎ ሙዚቃታት ኣለማየሁ እሸቴ ብቐንዱ ዝፅርሑ ኢዮም።

ሕልፈት ደምፃዊ ኣለማየሁ እሸቴ ስዒቡ ብሄራዊ ትያትር ሓዊሱ ኣድነቕቱ ሓዘኖም እናገለፁ ይርከቡ።

ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት ብሕልፈት እቲ ድምፃዊ ዝተሰመዖ ሓዘን እናገለፀ ንስድራቤቱ፣ ዘመድ ኣዝማድን ኣድነቕቱን ፅንዓት ይምነ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

Comments (0)
Add Comment