ድሕንነት መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ኣብ ሓደጋ ንምውዳቕ ተንቀሳቒሶም ኢዮም ኣብ ልዕሊ ዝተብሃሉ ውልቀሰባት ክሲ ተመስሪቱ

ኣዲስ ኣበባ፣ 3 መስከረም፣ 2017 (ኤፍ ቢ ሲ)ድሕንነት መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ኣብ ሓደጋ ንምውዳቕ ተንቀሳቒሶም ኢዮም ኣብ ልዕሊ ዝተብሃሉ ውልቀሰባት ኣብ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ፌዴራል ልደታ መጋባእያ ክሲ ተመስሪቱ።

ዓቃቢ ሕጊ ዝተወደቡን ገበን ተሻጋሪ ጉዳያትን ሚኒስቴር ፍትሒ ኣብ መዝገብ ክሲ እኒ ዮሃንስ ዳንኤል (ጆን ዳንኤል) ኣብ ልዕሊ ሽዱሽተ ተኸሰስቲ ኣውሮፕላን ብዘይኣግባብ ምሓዝ ገበን፣ ናይ መንግስቲ ሰራሕተኛ ግቡእ ስራሕ ንከይፍፀም ምቅዋመን ዘይምእዛዝን ገበን ክሲ ብተወሳኺ ኣብ ልዕሊ ቀዳማይ ተኸሳሲ ጥራሕ ድማ ፅቡቕ ሽም እቲ መገዲ ኣየር ንምፅላም ተንቀሳቓሲ ምስሊ ብስርዓት ኮምፒውተር ኣቢሉ ምውዛዕ ገበን ዝብል ክሲ ኢዩ ኣቕሪቡ።

እቶም ተኸሰስቲ ዮሃንስ ዳንኤል (ጆን ዳንኤል)፣ ኣማኑኤል መውጫ፣ ናትናኤል ወንድወሰን፣ ኤልያስ ድሪባ፣ ይዲድያ ነጻነትን እሌኒ ክንፈን ዓቃቢ ሕግ ብዘቕረቦ ኣብ ቀዳማይ ክሲ ኣብ ልዕሊ ኩሎም ተኸሰስቲ ዝቐረበ እንትኸውን እዚ እውን ኣብ 1996 ዓ.ም ዝወፅአ ሕጊ ገበን ዓንቀፅ 32  (ንኡስ ቁፅሪ 1/ሀ)፤ ዓንቀፅ 35 ኢሉውን ኣብ ትሕቲ ዓንቀፅ 507 ንኡስ ቁፅሪ 1 ዝተገለፀ ድንጋገ ምትሕልላፍ ዝብል ክሲ ቀሪቡሎም።

 

Comments (0)
Add Comment