ድሕንነት ህዝቢ መቐለ ክሕለው ይግባእ-ኣገልግሎት ኮሚኒኬሽን መንግስቲ

ኣዲስ ኣበባ፣ 8 ታሕሳስ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ድሕንነት ህዝቢ መቐለ ክሕለው ይግባእ ክብል ኣገልግሎት ኮሚኒኬሽን መንግስቲ ገሊፁ።

እቲ ኣገልግሎት ኣብ እዋናዊ ኩነታት ጠሚቱ ዝሃቦ መግለፂ ከምዝስዕብ ቀሪቡ ኣሎ።

መንግስቲ ኢትዮጵያ ንሰላም ህዝብን ሃገርን እንትበሃል ኣብ ስምምዕነት ሰላም ዝኣተዎ ቃል ብዘይ ወዓል ሕደር ይፍፅሞ ኣሎ። እዚ እዋን ስግግር ከም ኣጋጣሚ ብምጥቃም ኣብ ውሱናት ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ዘይበፅሖም ከባቢታት ትግራይ ሰላም ሕብረተሰብ ዝህውኹ ዝተወደቡ ወራራት ይካየዱ ከምዘለዉ መረዳእታታት ይሕብሩ። ብፍላይ ኣብ ከተማ መቀለ ብትካላት መንግስቲን ንግዲን ብፓትሮል ዝተሓገዘ ልዑል ወራር ከምዘሎ እቶምክ መረዳእታታት ይሕብሩ።

ህዝቢ እውን ኣብ ልዑል መረረት ከምዝኾነ ብስልክን ካልኦት መገዲታትን የፍልጥ ኣሎ። ብምኽኒያት እቲ ስምምዕነት ካብ ጎንፂ ዘትርፍዎ መኽሰብ ዝጎደሎም ኣካላት እዚ ከምዝገብሩ ኣየጠራጥርን። እዚ ገበን ዝፍፅሙ ኩሎም ካብ ተሓታትነት ከምዘየምልጡ ክግንዘቡ ይግባእ።

መንግስቲ ኣብ ከባቢ ዝርከቡን ድሕንነት ህዝቢ ዘገድሶምን ኣካላት ኣብ ጎኒ ህዝቢ ብምስላፍ ገበነኛታት ንክቃለሱ ፃውዒት እናቕረበ ድሕንነት ህዝቢ ንምሕላው ዘለዎ ሓላፍነት ንምፍፃም ኣድላዪ ኩሉ ዝገብር ከምዝኾነ በዚ ኣጋጣሚ ንምግላፅ ይደሊ።

8 ታሕሳስ 2015 ዓ/ም

ኣዲስ ኣበባ

ኣገልግሎት ኮሚኒኬሽን መንግስቲ

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment