ድሕንነት ሃገር ንምሕላው ዘኽእል ዘበናዊ ሓይሊ ባህሪ ምህናፅ የድሊ – ኮሞዶር ዋላፃ ዋቻ

ኣዲስ ኣበባ፣ 8 ለካቲት፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ድሕንነት ሃገር ንምሕላው ዘኽእልን ካብ ውሽጢን ወፃኢን ዝመፅኡ ፀገማት ዝምክት ዘበናዊ ሓይሊ ባህሪ ምህናፅ፣ ምውዳብን ምስልጣንን ከምዘድሊ ተወካሊ ዋና ኣዛዚ ሓይሊ ባሕሪ ኢትዮጵያ ኮሞዶር ዋላፃ ዋቻ ገሊፆም።

እቶም ኮሞዶር ኣብ ባህርዳር ተረኺቦም መሰረታዊ ሓይሊ ባሕሪ ባሕረኛታት ኣብ ዝወሃቡ ግቡኣት ንምውፃእ ዘኽእል ስልጠና ሓመሳ ኣብ ዘጀመሩሉ እዋን ከምዝገለፁዎ፥ ስልጠናታት ሕፁያት መኮንናትን ኣብ ደብረ ዘይቲ ቤት ትምህርቲ ባቦጋያ ከምኡ እውን ኣብ ምስላጥ ተግባር ስልጠና መርከብ ተኻኢሉ፡፡

እቲ ስልጠና ኣብ መርከብ ክግበሩ ዝግበኦም ጥንቃቐታት፣ ደምቢታት ምክልኻል ሓደጋን ኣብኣካላት ማይ ዝወሃቡ ግቡኣትን ከሳልጥ ዝኽእል ትምህርቲ ስለዝኾነ፥ ረብሑኡ ርኡይ ከምዝኾነ እውን ኣብሪሆም፡፡

ሓይሊ ባሕሪ አዚትዮጵያ ብቕልጡፍ ንወፍሪ ድሉው ኣብ ምግባር እውን ረብሕኡ ስትራቴጂካዊ እንትኸውን፥ “ኣብ መከላኸሊ ሓይሊ ሃገርና ተወሳኺ ናይ ምግባር ዓቕሚ ዝፈጥር ኢዩ” ምባሎም ካብ ፌስቡክ ገፅ ሰራዊት ምክልኻል ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

ንኢትዮጵያ፦ ነልምዕ፣ ንህነፅ፣ ንዳሎ

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

Comments (0)
Add Comment