ድሕሪ ስምምዕነት ሰላም ብጎንፂ ንዝተጎድኡ ልዕሊ 8 ነጥቢ 3 ሚሊየን ዜጋታት ዝተማልአ ፈላማይ ዙር ደገፍ ከምዝተገበረ ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 11 ታሕሳስ፣2015( ኤፍ ቢ ሲ)ድሕሪ ስምምዕነት ሰላም ብጎንፂ ንዝተጎድኡ ልዕሊ 8 ነጥቢ 3 ሚሊየን ዜጋታት ዝተማልአ ፈላማይ ዙር ደገፍ ከምዝተገበረ ብሄራዊ ኮሚሽን ኣመራርሓ ስግኣት ሓደጋ ገሊፁ።

ኮሚሽነር እቲ ኮሚሽን ኣምባሳደር ሽፈራው ተ/ማሪያም መስ ትካላት ኣቕረብቲ ደገፍ ኣብ ዝገበርዎ ዘተ፥ እቲ ስምምዕነት ሰላም ስዒቡ ኣብ ትግራይ ኣምሓራን ዓፋርን ብጎንፂ ነዝተጎድኡ ዜጋታት ዝግበር ዘይተቛረፀ ሰብኣዊ ኣቕርቦት ተጠናኺሩ ከምዝቐፀለ ተዛሪቦም።

ብመሰረት እዚ ድሕሪ ስምምዕነት ሰላም ብጎንፂ ንዝተጎድኡ ልዕሊ 8 ሚሊየንን 358 ሺሕን 196 ዜጋታት ዝተማልአ ፈላማይ ዙር ደገፍ ከምዝተገበረ ሓቢሮም።

እቶም መዳርግቲ ኣካላት ነዝገበርዎ ደገፍ ድማ አመስጊኖም።

ኣብ ኣቕርቦት መድሓኒትን ሃነፅቲ ምግብታትን ተወሳኺ ፃዕሪታት ንክግበሩ ከምዝተሓበረ ዳይሬክተር ኮሚኒኬሽን እቲ ኮሚሽን ደበበ ዘውዴ ንፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት ተዛሪቦም።

ብመላኩ ገድፍ

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

 

 

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment