ድሕሪ ምንቅስቓስ “ኢትዮጵያ ተፍሪ” ኣፍረይቲ ኢንዱስትሪታት ከምዝተነቓቕሐ ኣይተ ሽመልስ ኣብዲሳ ገሊፆም

ኣዲስ ኣበባ፣ 6 ግንቦት፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ድሕሪ ምንቅስቓስ “ኢትዮጵያ ተፍሪ” ዝተርኣየ ምንቕቓሕ ኣፍረይቲ ኢንዱስትሪታት ዝበረታታዕ ከምዝኾነ ርእሰ ምምሕዳር ክልል ኦሮሚያ ኣይተ ሽመልስ ኣብዲሳ ገሊፆም።

ኣይተ ሽመልስ ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያ ገፆም ኣብ ዘመሓላለፉዎ ፅሑፍ÷ “ክልልና እውን ኣፍረይቲ ኢንደስትሪታት ከም ሓደ ናይ ትኹረት ኣንፈት ብምውሳድን ኣብቲ ዓውዲ ዘለዉ ማሕለኻታትን ዕድላትን ብምፍላይ ምንቅስቓሱ ንዝተጀመረ ምንቅስቓስ ጉልበት ክኾኖ እናኽአሎ ይርከብ” ኢሎም፡፡

ኣፍረይቲ ኢንዱስትሪ እቲ ክልል ግልፂ ስትራቴጂን ሸቶን ምንቅስቓስ ኢንቨስትመንት ከምዘለዎ ብምሕባር÷ ብመሰረት እዚ ብዙሓት ዕድላት ስራሕ ብምፍጣር፣ ሸርፊ ወፃኢ ምዕባይ፣ ካብ ወፃኢ ዝኣተዉ ፍርያታት ብናይ ውሽጢ ሃገር ብምትካእ፣ ቀጥታ ኢንቨስትመንት ወፃኢ ብምስሓብ ከምኡ እውን ናይ ውሽጢ ሃገር ኣፍረይቲ ኣብ ምብርትታዕ ሰፊሕ ስራሕ እናተወገነ ከምዝርከብን ዝበረታታዕ ውፅኢት ከምዝተመዝገበን ኣብሪሆም።

ኣብቲ ዓውዲ ዝረኣዩ ማሕለኻታት ፋይናንስ፣ መሰረተ ልምዓትት፣ እታወታት ፍርያት ህንፃ ድማ ትርጉም ብዘለዎ መልክዑ ምንካይ ከምዝተኽኣለ ገሊፆም፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

Comments (0)
Add Comment