ድሕሪ ለውጢ ዝተረኸቡ ዓወታት ንምቕፃል ዝዓለመ ሰልፊ ደገፍ ፅባሕ ኣብ ክልል ኦሮሚያ ክካየድ ኢዩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 23 መጋቢት፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ድሕሪ ለውጢ ዝተረኸቡ ዓወታት ንምቕፃል ዝዓለመ ሰልፊ ደገፍ ፅባሕ ኣብ መላእ ከባቢታት ክልል ኦሮሚያ ከምዝካየድ ቢሮ ኮሚኒኬሽን ኦሮሚያ ኣፍሊጡ።

ሓላፊ እቲ ቢሮ ኣይተ ሃይሉ ኣዱኛ፥ እቲ ሰልፊ ዝካየደሉ ምኽኒያት ድሕሪ 24 መጋቢት 2010 ዓ.ም ኣብቲ ክልል ዝተመዝገቡ ውፅኢታትን ዓወታትን ንምጥንኻር ኢዩ ኢሎም።

ኣብቲ ክልል ኣብ ዓውዲ ፖለቲካ፣ ኢኮኖሚ፣ ማሕበራዊን ወዘተ ለውጢታት ተመዝጊቦም ኢዮም ኢሎም።

ስለዝኾነ እቲ ፅባሕ ዝሳለጥ ሰልፊ ደገፍ ኣብ ኩሎም ከባቢታት እቲ ክልል ዝነብር ህዝቢ እቲ ዓወት ንምቕፃል ዘለዎ ቁርፀኝነት ዘረጋገፀሉ ከምዝኾነ ተዛሪቦም።

ፅባሕ ሰዓት 12 ንጎሆ ጀሚሩ ከምዝካየድ ምግላፆም ግዜኢ ፀብፂቡ።

 

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

Comments (0)
Add Comment