ድሕሪ ለውጢ ዝተረኸበ ዓወት ንኽቕፅል ዝዓለመ ሰልፊ ኣብ ድሬዳዋ ይካየድ ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ፣ 27 መጋቢት፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ድሕሪ ለውጢ ዝተረኸበ ዓወት ንኽቕፅል ዝዓለመ ህዝባዊ ሰልፊ ድጋፍ ኣብ ምምሕዳር ከተማ ድሬዳዋ ይካየድ ኣሎ።

“ንምዕባለ ሃገር ብሕብት ዘብዒ ክንከውን ኢና!” ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ኣብ ኣደባባ ለገሃር እናተኻደ ኣብ ዝርከብ ሰልፊ ድጋፍ÷ ነበርቲ እቲ ምምሕዳርን ዝተፈላለዩ ክፋላት ሕብረተሰብን ተሳቲፎም፡፡

ተሳተፍቲ እቲ ሰልፊ÷ ዓወትና ክንሕሉ ኢና ንቀፃሊ ዓወት ብሓባር ክንሰርሕ ኢና፣ ሰላም ንኹሉ ኩሉ ንሰላም፣ ሓበራዊ ተረኽ ንህንፀት ጥኩር ሃገረ መንግስቲ መሰረት ኢዩ፣ ጥንክርቲ ኢትዮጵያ ኣብ ህብረ ብሄራዊ ሕውነት ክትህነፅ ኢያ ዝብሉን ካልኦትን ለውጢ ዝድግፉ ዝተፈላለዩ ጭርሖታት እናስምዑ ይርከቡ፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

Comments (0)
Add Comment