ድልድል ምድብ 16 ሃገራት ኣውዲቕካ ምሕላፍ ፅዋዕ ኣውሮፓ ዕላዊ ኮይኑ

ኣዲስ ኣበባ፣ 20 ሰነ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ) ድልድል ምድብ 16 ሃገራት ኣውዲቕካ ምሕላፍ ፅዋዕ ኣውሮፓ ዕላዊ ኮይኑ።

ብመሰረት እዚ፦

ኣሰናዳኢት ጀርመን ምዴንማርክ፣ ስዊዘርላንድ ምስ ጣሊያን፣ እንግሊዝ ምስ ስሎቫኪያ፣ ስፔን ምስ ጆርጂያ ተደልዲለን።

ብተመሳሳሊ ፈረንሳይ ምስ ቤልጂየም፣ ፖርቹጋል ምስ ስሎቪኒያ፣ ሮማኒያ ምስ ኔዘርላንድስ፣ ኦስትሪያ ምስ ቱርክ ኣብ ኣውዲቕካ መሕላፍ ክራኸባ ኢየን።

ፀወታ ኣውዲቕካ ምሕላፍ ዕለተ ቀዳም 22 ሰነ 2016 ዓ.ም ዝጅምር እንትኸውን፥ ስዊዘርላንድ ምስ ጣሊያን ብዝገብርኡ ፀወታ ክፍልም ኢዩ።

ሰሉስ ድማ ኦስትሪያ ምስ ቱርኪ ብዝገብርኡ ፀወታ ፍፃምኡ ክረክብ ኢዩ።

ክሳብ ሐዚ ብመሰረት ዝተገበሩ ፀወታታት፥ ጀርመን 8 ሸቶታት ብምቑፃር ብበዝሒ ቀዳመይቲ ተሰሪዓ ኣላ።

ኦስትሪያን ቱርክን ድማ ብቕደም ሰዓብ 6 ን 5ን ሸቶታት ብምቑፃር ካልኣይን ሳልሳይን ኣለዋ።

ብተፀወትትቲ፥ ጆርጂያዊ  መጥቅዒ ጆርጌዝ ሚካውታዝ ብ3 ሸቶታት ይመርሕ ኣሎ።

ጀማል ሙሲያላ ካብ ጀርመን፣ ራዝቫን ማሪን ካብ ሮማኒያ፣ ኮዲ ጋክፖ ካብ ኔዘርላንድስ፣ ኒኮላስ ፉልክሩግ ካብ ጀርመን ኢሉ እውን ኢቫን ሽራንዝ ካብ ስሎቫኪያ ብማዕረ 2 ሸቶታት ብምቑፃር ስዒቡ ኣብ ዘሎ ደረጃ ተቐሚጦም ኣለዉ።

Comments (0)
Add Comment