ኣዲስ ኣበባ፣ 30 ሕዳር፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ዴንማርክ ንኢንሼቲቭ ክሌማዊ ለውጢን ሓምለዋይ ኣሰርን ኢትዮጵያ ደገፍ ከምእትገበር ሚኒስትር ገንዘብ እታ ሃገር ኒኮላይ ዋመን ገሊፆም።
ሚኒስትር ገንዘብ ኢትዮጵያ ኣሕመድ ሽዴ ምስ ሚኒስትር ገንዘብ ዴንማርክ ኒኮላይ ዋመን ዘቲዮም።
ኣብቲ ዘተ፥ ኣብ ዝተፈላለዩ ዓውዲታት ክልቲአን ሃገራት ምትሕብባረን ንከበርኻ ምስምዕመዖም ተገሊፁ።
ኣብ ጉባኤ ኮፕ29 ክልቲአን ሃገራት ምትሕብባረን ከምዘርኣያ ብምዝኽካር፥ እዚ እተን ሃገራት ቀፃሊ ርክበን ናብ ዝለዓለ ብርኪ ከምዘሸጋግራ ዘመላኽት ኢዩ ኢሎም ኒኮላይ ዋመን።
እተን ሃገራት ኣብ ክሌማዊ ለውጢ ብምትሕብባር ከምዝሰርሓ ብምሕባር፥ ኣብ ሓምለዋይ ልምዓት ኣብ ኣፍሪካ መሪሕ ተዋሳኣይ ምስ ዝኾነት ኢትዮጵያ ሃገሮም ብምትሕብባር ምስራሕ ዘሐጉስ ከምዝኾነ ኣረጋጊፆም።
ብወንደሰን ኣረጋኸኝ