ዴሞክራቲክ ሪፐብሊክ ኮንጎ ምልክት ቋንቋ ኣብ ስራሕ ቋንቋ ክተካትት ኢያ

ኣዲስ ኣበባ፣ 13 ነሓሰ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)መንግስቲ ዴሞክራቲክ ሪፐብሊክ ኮንጎ ካብ ቋንቋታት ስዋሂሊ፣ ሊንጋላ፣ ኪቱባን ቹሉባን ብተወሳኺ ምልክት ቋንቋ ኣብ ስራሕ ቋንቋ ንምክተካትት ከምዝተለመት ኣፍሊጡ።

እቲ ምልክት ቋንቋ ኣብ ስርዓተ ትምህርቲ ኣካቲታት ንመሃብ ከምዝሓሰበት እውን ተገሊፁ፡፡

ዕላምኡ ድማ ኣገልግሎት መንግስቲ ዝደልዩ ምስማዕ ዝተሰኣኖም ዜጋታት እታ ሃገር ምቹው ምሃዳር ንምፍጣር ኢዩ ተባሂሉ፡፡

ምስማዕ ዝዝተሰኣኖም ዜጋታት እታ ሃገር ዕንቅፋት ስለዘጋጠሞም ጥራሕ ኣገልግሎት መንግስቲ ብቐሊሉ ንምርካብ ከምዝተፀገሙ ሚኒስተር ጉዱኣት ኣካል እታ ሃገር ንቢቢሲ ተዛሪቦም፡፡

ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮፓውያን ኣብ 2012 ዝወፅአ ፀብፃብ ውድብ ጥዕና ዓለም፥ ኣብ ዲሞክራቲክ ሪፐብሊክ ኮንጎ ልዕሊ 2 ሚሊየን ዓይነ ስዉራንን ምስማዕ ዝተሰኣኖምን ዜጋታት ይርከቡ፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna
https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት
https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

Comments (0)
Add Comment