ዳግም ኣርዑት ግፍዒ ኣይንሽከምን – መንገስቲ ክልል ሲዳማ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 23 ጥቅምቲ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)”ዳግም ኣርዑት ግፍዒ ኣይንሽከምን” ክብል ብሄራዊ ክልላዊ መንገስቲ ሲዳማ ኣብ እዋናዊ ሃገራዊ ጉዳይ ኣድሂቡ ኣብ ዝሃቦ መግለፂ ኣፍሊጡ።

እቲ ብሄራዊ ክልል ኣብ መግለፂኡ፥ ካብ ኩሉ ንላዕሊ ቅድሚያ ንናፅነቱ ዝህብ ህዝቢ ኢትዮጵያ ወራሪ ፀላኢ ኣብ ዝመፅአሉ እዋን ብልዑል ሓርበኝነት ኣብ ኢዱ ዝርከብ ዝኾነ ይኹ መሳርሒ ተጠቒሙ ንፀላኢ መዕረፊ ብምስኣን ኣንቀጥቂጡ ካብ ሃገሩ ዘባረረሉ ታሪኽ ቃልሲን ዓወትን ሎሚ እውን ሃገር ንምፍራስ ከባቢታት ወሪሩ ሃፍቲን ንብረትን ንምዝራፍ ዝመፅአ ጁንታን ናይ ወፃኢ ወረርቲን ፈተነኦም ከንቱ ገይሩ ብምምላስ ናፅነቱ ንሕላው ኣብ ኢዱ ዘሎ ዕድል ከምዝኾነ ኣገንዚቡ፡፡

“ብምዃኑ መላእ ኢትዮጵያውያን ብሓድነት ተላዒልና ብምዝማት እቲ ሓደጋ ምምካትን ሃገርና ክነድሕንን ይግባእ” ክብል ኣብ መግለፂኡ ፀዊዑ፡፡

ጁንታ ወያነ ኣብ ስልጣን ኣብ ዝፀንሐሎም 27 ዓማውቲ ናይ ሀገር መርከብ እንተይተረፈ ዝሰረቐ ናይ ፋብሪካታት ማሽን ፈቲሑ ዝወሰደ፣ ድኻ ኣደታት ካብ መቐነተን ፈቲሐን ዘዋፀአኦ ግድብ ሃኒፁ መብራህቲ ብመሃብ ካብ ፀገም ከውፀአና ኢለን እንትፅበያ ብግፍዒ ዘሪፉን ኣብ ወፃኢ ከዚኑን ከም ልቡ ካብ ምዝንግዑ ሓሊፉ መሊሱ ሃገር ንምፍራስን ብግዲ ናብ ስልጣን ብምውፃእ ከምዝለመዶ ንምዝራፍን እናተጠቐመሉ ከምዝርከብ ተገሊፁ፡፡

እቲ ጁንታ ኣብ ዝመርሐሎም ናይ ግፍዒ ዓመታት ንዘረፋ ክምችዎ ንዚትዮጵያውያን ከፋፊሉ እቲ ሓደ ኣብ ልዕሊ እቲ ሓደ ብፀላኢ ክለዓሉ፤ ምትሕብባርን ሓድነትን ንኽጠፍእ ገይሩ ስምዒት ኢትዮጵያን ኢትዮጵያውነትን ክዳኸም ካብ ምግባሩ ንላዕሊ ናይ መሰል ሕቶ ኣብ ልዕሊ ዘልዕሉ ኣካላት ዘብፀሖ ዝነበረ ዓፈናን መቕተልቲን ንምዝካር ዘስካሕኽሕ ከምዝኾነን ህዝቢ ሲዳማ እውን ብተደጋጋሚ ብበትሪ ግፍዒ ተቐጥቂጡ ኢዩ ኢሉ፡፡

ጁንታው የመላው የኢትዮጵያ ህዝቦች ጠላት መሆኑ ግልጽ ስለሆነ ኢትዮጵያውያን በአንድነት ተነስተውና ታግለው በላያቸው የተጣበቀውን መዥገር አስወግደው በነፃነት እና በእኩልነት የሰላም አየር መተንፈስ ከጀመሩ ጥቂት አመታት የተቆጠሩ ሲሆን የዕድገት ብልጭታዎችም መፈንጠቅ ጀምረዋል፡፡

እቲ ጉጅለ ኣብ ዝወረሮም ከባቢታት ቅድሚ ሕዚ ከምዝገብሮ ብግፍዒ እናጨፍጨፈ ዝረኸቦ ሃፍቲን ንብረትን እናዘረፈ ናብ መቐለ እናፀዓነ ይርከብ፡፡

ኣብ ዝበፅሖ ቦታ ኩሉ ዝገብሮ ናይ ጥፍኣት ተግባሩ ዝቐሪ ስለዘይኮነ፥ ስልጣን ሒዙ ብዝበለፀ ከይጭቁነናን ከይዘርፈናን ዳግም ንግፍዒ ጭቆና ኣይንግዛእን ኢልና ኩልና ክንዘምትን ክንምክትን ይግባእ ክብል ኣብ መግለፂኡ ኣገንዚቡ፡፡

ብመሰረት እዚ ብሄራዊ ክልላዊ መንግስቲ ሲዳማ መሰሉ ንምኽባር ህፁፅ ኣኼባ ኣካይዱ ዝስዕብ ውሳነ ኣመሓላሊፉ፡፡

1ይ. ዘንፀላለወልና ሃገር ናይ ምፍራስ ወይ ድማ ናይ ግፍዒ ጭቆና ምግዛእን ሓደጋ ብዘተኣማምን ነልክዑ ክሳብ ንምክቶ ፈለማ ኣብ ወፍሪ ህልውና ንኽኸውን፤

2ይ/ ኣብ ጎኒ ዝቃለሱ ህዝቢታት ደው ብምባል ምቅላስን ጁንታ ካብ ዝኣተዎም ከባቢታት ከይወፅእ ብምግባር ንምቕባር ዕድሚኡን ኩነታት ጥዕንኡን ዝፈቕደሉ ኩሉ ናብ ወፍሪ ህልውና ድሉው ንኽኸውን፤

3ይ/ ዝተፈለየ ልምዲ ዘለኩም ንሰራዊት ኣብ ግምባር ንምሕጋዝ ኣብ ቤት ፅሕፈት ፀፅታ ወረደኦም ንኽምዝገቡ፤

4ይ/ ንወፍሪ ህልውና ዘድሊ ሎጂስቲክስ ልዑል ስለዝኾነ፥ ብዓቕሚ መንግስቲ ጥራሕ ዝከኣል ኣይኮነን። ካብዚ ብተወሳኺ ኲናት ኣብ ዘለዎም ከባቢታት ዝተመዛበሉ ወገናት ስለዝርከቡ ክንበፅሐሎም ስለዝግባእን ብልዑል ብርኪ ሃፍቲ ምትእኽኻብኣድላዪ ኮይኑ ተረኺቡ ኢዩ፤

ስለዝኾነ ድማ ሃፍቲ ዘለኩም እንተሃሊኹም ንሰራዊት ምክልኻልና ምድጋፍን ዝተመዛበሉ ምድጋፍ፤ ነዚ ዝተጣየሸ ኮሚቴ ስርሑ ኣብ ዝሰርሐሉ እዋን ቅልጡፍ ምላሽ ንኽትህቡ፤

5ይ/ ሰላም እቲ ክልሉ ዘተኣማምን ኮይኑ ንኽቕፅል፤ ህዝቢ ተወዲቡ ውሽጣዊ ሰላሙ ክሕሉ፣ ኣብ ዘድሊ ቦታ ተዘዋዊሩ ዝሰርሕ ተጠባባቒ ሓይሊ ፀፅታ ብቕልጡፍ ንኽውደብን ምስ ጎረባብቲ ኣሕዋት ህዝቢታት ዘሎ ፀቡቕ  ርክብ ተጠናኺ ንኽቕፅል፤ ብዝኾነ ይኹ መልክዑ ፀረ ሰላም ምንቅስቓስ ዝገብር ውሽጣዊን ፀጉረ ልዉጥን እንትርከብ ህዝቢ ምስ ሓይሊታት ፀፅታ ብምትሕብባር ሕጋዊ ስጉምቲ ክወስድ ብምባል ብህራዊ ክልላዊ መንግስቲ ሲዳማ ፃውዒቱ ኣቕሪቡ።

ከባቢኦም ይሓልዉ/ዋ!

ናብ ግንባር ይውፈሩ/ራ!

መከላከያ ይደግፉ/ፋ!

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

Comments (0)
Add Comment