ዳግመ ህንፀት ነባራት ኣስፋልት መገድታት ከተማ መቐለ ይሳለጥ ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ፣ 3 ጥሪ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ዳግመ ህንፀት ነባራት ኣስፋልት መገድታት ከተማ መቐለ ካብ ሎሚ መዓልቲ ጀሚሩ ይሳለጥ ኣሎ።

ምምሕዳር ከተማ መቐለ፥ ኣብ ከባቢ ቐዳማይ ወያነ ዝርከቡ ነባራት መገድታት ነዊሕ ዓመት ግልጋሎት ዝሃቡ ብምዃኖምን ኣብ ዝሓፀረ እዋን ከም ብሓዱሽ ንምህናፅ ምንቅስቓስ ከምዝተጀመረ ኣብሪሁ።

ብመሰረት እዚ ሓሙሽተ ኣደባባያት ዝርከብዎም ብድማር 6 ኪሎ ሜትሮ ዝተፈላለዩ መገድታት ኣስፋልት  ዳግመ ህንፀት ተጀሚሮም ኣለዉ።

እቲ ከባቢ ማእኸል ንግድን ኢንቨስትመንትን ብምዃን ሰፊሕ ምንቅስቓስ ትራንስፖርት ዝርኣየሉ ብምዃኑ፥ ምጭንናቕ ትራፊክ ብዘይፈጥር በቢምዕራፉ ከምዝህነፁ ኣብ ቤት ፅሕፈት ጉዳያት ኮሚኒኬሽን ግዚያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

Comments (0)
Add Comment