ዳይሬክተር ዋና ኢንዶክትሪኔሽን ሰራዊት ምክልኻል ሜጀር ጄኔራል መሐመድ ተሰማ ኣብ ደቡብ ሱዳን ዝተዋፈሩ ሻለቃታትዓቀብቲ ሰላም ኢትዮጵያ ተዛቲዮም

ኣዲስ ኣበባ፣ 5 መጋቢት፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ዳይሬክተር ዋና ኢንዶክትሪኔሽን ሰራዊት ምክልኻል ሜጀር ጄኔራል መሐመድ ተሰማ ኣብ ደቡብ ሱዳን ኣዘ ከባቢታት ጁባ ፣ ቦርን ያምቢዮ ዝተዋፈሩ ሻለቃታት ዓቀብቲ ሰላም ኢትዮጵያ ተዛቲዮም።

እቶም ሜጀር ጀነራል፥ ኣብ ደቡብ ሱዳን ዝተዋፈረ ኣዛዚ መበል 12 ሞተራይዝድ ሻለቃ ዓቃቢ ሰላም ኮለኔል ግርማ ለታ፣ ኣዛዚ መበል 14 ሞተራይዝድ ሻለቃ መለስ መንግስቴ፣ ኣዛዚ መበል 13 ሞራይዝድ ኮለኔል መለስ ይግዛውን ኣብ ውድብ ሕቡራት መንግስታት መተሓባበሪ ብሄራዊ ወሃቢ ሓገዝ ኢትዮጵያ ኣብ ደቡብ ሱዳን ኮለኔል ሙላው በየነን ኣብ ኣፈፃፅማ ወፍሪ ኣመልኪቶም ተዛቲዮም፡፡

ኣብቲ እዋን ዘተ ድማ ኣብ ዝተኻየደ ወፍሪ ምኽባር ሕጊን ህልውናን ከምኡ እውን ሽምን ዝናን ኢትዮጵያ ሓሊዩ ብዕዉት ኩነታት ካብ ምፍፃሙ መንፅር እቲ ሰራዊት ኣብ ምንታይ ብርኪ ከምዝርከብትኹረት ገይሮም ተዛቲዮም፡፡

ተሳተፍቲ እቲ ዘተ፥ ኣብ ቀረባ እዋን ናብ ሃገር ኣይንምለስን ብምባል ኣብ ዓለም ለኸ መዕርፎ ነፈርቲ ጁባ ዕግርግር ብምፍጣር ልኡኽቶ እቲ ጁንታ ንምፍፃም ንዝፈተኑ 15 ውልቀ ሰባት ኮኒኖም፡፡

እዞም ኣባላት ለይቲን ቀጥሪን ሉ እውን ኣብ ጎረቤት ሃገር ሽምን ዝናን ኢትዮጵያ ሓሊዩ ንሰላም ጠጠው ንዝበለ ሓይሊ ዘይውክሉ ከምዝኾኑ ምግላፆም ካብ ሰራዊት ምክልኻል ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ

ይግበሩ/ራ!

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment