ዳይሬክተር ኤፍቢኣይ ካብ መዚነቶም ክለቁ ኢዮም

ኣዲስ ኣበባ፣ 3 ታሕሳስ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ዳይሬክተር ቢሮ ምርመራ ፌዴራል(ኤፍቢኣይ) ክርስቶፎር ሬይ ሓዱሽ ተመራፂ ፕሬዚዳንት ኣሜሪካ ዶናልድ ትራምፕ ስርሖም ቅድሚ ምጅማሮም ካብ መዚነቶም ክለቁ ኢዮም ተባሂሉ።

እቶም ዳይሬክተር፥ ኣብ 2017 ዓ.ም.ፈ ዶናልድ ትራምፕ ፕሬዚዳንት ኣብ ዝነበርሉ እዋን ናብ መዚነት ምምፅኦም ይዝከር።

ክርስቶፎር ሬይ፥ ሐዚ ካብ መዚነቶም ንምልቃቕ ዘበገሶም ምኽኒያት ኣብ ዘይምርድዳእ ንዘይምእታውን ኣብ ልኡኽ እቲ ትካል ጠመተ ንክንገብር ብምሕሳበን ኢዩ ኢሎም።

ኣብ እዋን መሪሕነት ሬይ “ኤፍቢአይ ኣብ መንበርየይ ምኽኒያት ብዘይብሉ ተፍቲሽ ኣካይዱ ኢዩ” ዝብሉ ትራምፕ፥ ብዘይሕጋዊ መገዲ ኣብ ልዕለይ ክሲ ንምቕራብ ብዘይዕረፍቲ ኣካይዱ ኢዩ ክብሉ ምዝራቦም ኣር ቲ ፀብፂቡ።

 

Comments (0)
Add Comment