ዳያስፖራ ኣብ ዓውዲ ቴክኖሎጂ ዘለዎ ልምዲን ፍልጠትን ሃገሩ ክድግፍ ፃውዒት ቀሪቡሉ

ኣዲስ ኣበባ፣ 3 ጥሪ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ሚኒስቴር ኢኖቬሽንን ቴክኖሎጂን ዓቢዪ ፃውዒት ምምላስ ናብ ሃገር ተቐቢሎም ናብሃገሮም ዝመፅኡ ዳያስፖራታት ሃገሮም ብዘፈር ሳይንስ፣ ቴክኖሎጂን ኢኖቬሽንን ንኽድግፉ ፃውዒት ኣቕሪቡ።

እቲ ሚኒስቴር፥ ዳያስፖራታት ኣብቲ ዓውዲ ሃገሮም ንምድጋፍን ኣማራፂታት ኢንቨስትመንትን ምርኣይ ዝከኣለሉ ጉዳይ ብምትኳር ኣብ ዝቕፅል ሓሙስ ክዝቲ ኢዩ።።

ሚኒስትር ዲኤታ ቴክኖሎጂን ኢኖቬሽንን ሁሪያ ዓሊ፥ ኣብቲ ዕለት ዘፈር ውልቀን ተሳትፎ ኣባላት ዳያስፖራን ዘጠናኽር ፎረም ከምዝጣየሽ ተዛሪበን።

ዳያስፖራ ኣብ ልዕሊ ኢትዮጵያ ዝበፅሕ ዓለም ለኸ ፅዕንቶ ብምቀዋም ዘመዝገቦ ውፅኢት ዝነኣዳ እተን ሚኒስትር ዲኤታ፥ ኣብ ዓውዲ ቴክኖሎጂ እውን እዚ ታሪኽ ንኽደግሞ ፀዊዐን።

መፃኢ ሓሙስ ዝካየድ መድረኽ ዘተ፥ ኣብቲ ዓውዲ ሃገሮም ምድጋፍ ዝኽእሉ ኩሎም ንኽሳተፉ ፃውዒት ምቕራቡ ካብቲ ሚኒስቴር ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

ንኢትዮጵያ፦ ነልምዕ፣ ንህነፅ፣ ንዳሎ

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

Comments (0)
Add Comment