ዳያስፖራ ንዘላቕነት ረብሓ ኢትዮጵያ ብዕቱብ ክሰርሕ ኣለዎ – ዶ/ር መሓመድ እንድሪስ ።

ኣዲስ ኣበባ፣ 2 ጥሪ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ማሕበረሰብ ዳያስፖራ፤ ኢትዮጵያ ኩሉ ግዘ ኣብ ቓልሲ ህልውና ከምዝኾነት ብምሕሳብ ንዘላቒ ረብሓ ሃገር ብዕቱብ ክሰርሕ ከምዘለዎ ምኽትል ዳይሬክተር ኤጄንሲ ዳያስፖራ ኢትዮጵያ ዶክተር መሓመድ እንድሪስ ኣገንዚቦም።

ዓለም ለኸ ውህደት ምትሕብባር ዳያስፖራ ኢትዮጵያ፤  ከይዲ መሊስኻ ህንፀትን ምጥያሽን ካብ ማሕበረሰብ ዳያስፖራ ትፅቢት ዝግበሩ ምንቅስቓሳት ብዙም ኢንተርኔት ዘተ ኣካይዶም።

ኣብቲ ዘተ ዝተሳተፉ ዶክተር መሓመድ እንድሪስ÷ ኢትዮጵያ ንዘድሕንዋ ንሰራዊት ምክልኻል ሃገርን ካልኦት ሓይልታት ፀጥታን ኢሉ’ውን ኣብ ውሽጢ ሃገርን ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ወፃኢን ቓልሲ ዝገበረ ህዝቢ ኢትዮጵያ ኽብሪ ከምዝግብኦ ተዛሪቦም።

“ዘለናሉ እዋን ሓድነትን ሉዓላዊነትን ኢትዮጵያ ኣብ ፈተና ዝእትው ፅዕንቶታት ዝነበሩሉ ኢዩ” ዝበሉ እቶም ምኽትል ዳይሬክተር÷ ሐዚ ናብ ስራሕቲ መሊስኻ ህንፀትን ምጥያሽን ከምዝተኣተወ ኣብሪሆም።

ብፍላይ ኣብ ክልላት ዓፋርን ኣምሓራን ብግብረ ራዕዲ ህወሓት ዝተጎድኡ ከባብታት መሊስኻ ህንፀትን ምጥያሽን ብርክት ዝበሉ ስራሕቲ ምህላዎም ብምሕባር፤ ኣብ ኣብያተ ትምህርቲን ትካላት ጥዕናን ብዓውዲ ማሕበረሰብ መሊስኻ ህንፀት ብርክት ዝበሉ ስራሕቲ ትፅቢት ከምዝግበሩ ገሊፆም።

ፕሬዚደንት ዓለም ለኸ ውህደት ምትሕብባር ዳያስፖራ ኢትዮጵያ ኣይተ ኣለባቸው ደሳለኝ ብግድኦም÷ ብግብረ ራዕዲ ህወሓት ዝበፅሑ ሓፈሻዊ መጉዳእትታት መሊስኻ ህንፀትን ምጥያሽን  መንግስቲ ዝጀመሮ ፃዕሪ እቲ ዳያስፖራ እውን ብሙሉእ ዓቅሙ ድጋፍ ክገብር እዩ ምባሎም ኣገልግሎት ዜና ኢትዮጵያ ፀብፂቡ።

ንኢትዮጵያ፦ ነልምዕ፣ ንህነፅ፣ ንዳሎ

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

Comments (0)
Add Comment