ዳያስፖራ ናብ ሃገሩ ምምፃእ እንተየድለዮ ኣብ ሃገሩ መዋእለ ንዋይ ንኸፍስስ ምቹው ኣሰራርሓታት ክዝርግሑ ኢዮም – እቲ ቤት ምኽሪ

ኣዲስ ኣበባ፣ 10 ጥሪ፣ 2014 (ኤፍ ቢሲ)ቤት ምኽሪ ንግዲን ዘፈር ማሕበራትን ካብ ዝተፈላለዩ ሃገራት ንስ ዝመፅ ኢትዮጵያውያንን ትውልደ ኢትዮጵያውያንን ብሓባር ንምስራሕ ይዝቲ ኣሎ።

ኣብቲ እዋን ዘተ ነባርን ናይ ሕዚን ኣመራርሓታት፣ ኮሚሽነር ኢንቨስትመንት ኣዲስ ኣበባ ግርማ ሰይፉን ዳያስፖራታትን ተሳቲፎም።

ዳያስፖራ ናብ ሃገሩ ምምፃእ እንተየድለዮ ኣብ ዘለዎ ኮይኑ ኣብ ሃገሩ መዋእለ ንዋይ ንኸፍስስ ምቹው ኣሰራርሓታት ከምዝዝርግሑ እቲ ቤት ምኽሪ ኣብቲ መድረኽ ገሊፁ።

እቲ ቤት ምኽሪ፥ ኣሰራርሓ ንምዝማንን ዝሐሸ ኣሰራርሓ ንምትግባርን ዘኽእል ሓዱሽ ዝተሰናደአን ዝምረሐሉን ፖሊሲ ኣፍሊጡ።

እቲ ፖሊሲ ናይቲ ቤት ምኽሪ ጥራሕ ዘይኮነስ ተዋሳእቲ ንግዲ እውን ቀሊልን ቅልጡፍን ኣሰራርሓ ንምትግባር ዘኽእል ከምዝኾነ ዝተሓበረ እንትኸውን፥ ዳያስፖራ በዚ ተረባሒ ዝኾነሉ ኣሰራርሓ ከምዝተዘርገሐ ተመልኪቱ፡፡

ኣብ ቀፃሊ ዳያስፖራ ምስቲ ቤት ምኽሪ ብሓባር ንምስራሕ ዘኽእሎ ኣሰራርሓ ንምፍላጥ ሕቶታት፣ ሓበሬታን ርኢቶታትን ኣልዒሎም።

ዳያስፖራ ኣብ ሃገር ንምልማዕ ዘኽእል ትልሚን ምድላውን ክህልዎ ከምዝግባእ ተሓቢሩ።

ብፍረህይወት ሰፊው

ንኢትዮጵያ፦ ነልምዕ፣ ንህነፅ፣ ንዳሎ

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

Comments (0)
Add Comment