ዳያስፖራ ሪፎርም ኢኮኖሚ ኣብ ዝፈጠሮም ዕድላት ንክርባሕ ፃውዒት ቀሪቡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 12 ጥቅምቲ፣ 2017 (ኤፍ ቢ ሲ)ዳያስፖራ ሪፎርም ኢኮኖሚ ኣብ ዝፈጠሮም ዕድላት ንክርባሕ ኣመሓዳሪ ብሄራዊ ባንኪ ማሞ ምሕረቱ ፃውዒት ኣቕሪቦም።

ኣይተ ማሞ ምህረቱ ኣብ ዋሽንግተን ዲሲ ዝርከብ ኤምባሲ ኢትዮጵያ ኣብ ዝተሰናድአን፤ ምሁራን፣ ሰብ ሃፍቲን ፍሉጣት ሰባትን ኣብ ዝተሳተፉሉን መድረኽ ተረኺቦም።

ኢትዮጵያ እተካይዶ ብዛዕባ ዘላ ሰፊሕ መመሓየሺ ኢኮኖሚን ኣብ ክሊ እዚ ብዛዕባ ዝተፈጠሩ ሓደሽቲ ዕድላትን መብርሂ ሂቦም።

ኣብ ቀረባ እዋን ናብ ትግበራ ዝኣተወ ዕዳጋ ዝመርሖ ልውውጥ ሸርፊ ወፃኢ ናይ ኢትዮጵያ ምርካብ ሸርፊ ወፃኢ ኣዝዩ ክውስኽ ከምዝገበሮ ገሊፆም።

ዳያስፖራ ከምዚኦም ዝበሉ ምዕሩያት ኩነታት ተጠቒሙ ሪፎርም ኢኮኖሚ ኣብ ዝፈጠሮም ዕድላት ንክርባሕ ፃውዒት ኣቕሪቦም።

 

Comments (0)
Add Comment