ዳያስፖራታት ዝበፅሐ ዝራእቲ ሓረስቶት ኣኪቦም

ኣዲስ ኣበባ፣ 30 ታሕሳስ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ኢትዮጵያውያንን ትውልደ ኢትዮጵያውያንን ዳያስፖራታት ኣብ ክፍለ ከተማ ለሚ ኩራ ከባቢ ወረዳ 02 ሾቤ ተረኺቦም ዝበፅሐ ዝራእቲ ሓረስቶት ኣኪቦም፡፡

ማሕበረሰብ ዳያስፖራ በዚ መልልዑ ዝራእቲ ሓረስቶት ምእካቦም ዓብዪ ሃገራዊ ኩርዓት ከምዝኾነ ሓላፊ ፓርቲ ብልፅግና እቲ ክፍለ ከተማ ኣይተ ኣሰፋ ቶላ ገሊፆም፡፡

ኣብ ቀፃሊ እውን ናይ ኣረጋውያንን ዓቕመ ደካማን ገዛ ምሕዳስ፣ ብምኽንያት ኲናት ዝተጎድኡ ከባብታት ናይ ምድጋፍ ስራሕቲ ከምዝስራሕ ተዛሪቦም፡፡

ዳያስፖራው ኣብዚ ተረኺቡ ዝራእቲ ምእካቡ ኢትዮጵያውያን ዘለና ዝጠንከረ ሓድነት ንመላእ ህዝቢ ዓለም ንምርኣይ ይጠቅም ዝበሉ ድማ ሓላፊ ቤት ፅሕፈት ሕርሻ ከተማን ሓረስቶትን ኣይተ ፋኖሴ ደቻሳ እዮም፡፡

ኣባላት ዲያስፖራ ብግደኦም÷ ናይ ሓረስቶት ዝራእቲ ምእካቦም ከምዘሐጎሶም ገሊፆም ብምግላፅ፤ ንቐፃሊ እውን በቲ ኲናት ጉድኣት ናብ ዝበፅሖም ከባብታት ክልላት ዓፋርን ኣምሓራን ብምጉዓዝ ዝተጎድኡ ትካላት መሊስካ ንምህናፅ ድጋፍ ከምዝገብሩ ካብ ኮሙዩኒኬሽን እቲ ክፍለከተማ ዝረኸብዮ ሓበሬታ የመላኽት፡፡

ንኢትዮጵያ፦ ነልምዕ፣ ንህነፅ፣ ንዳሎ

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

Comments (0)
Add Comment