ዳያስፖራታት ኣብ ክልል ዓፋር ዱብቲ ኣብ ዝለምዐ መስኖ ስርናይ ዑደት ገይሮም

ኣዲስ ኣበባ፣ 25 ታሕሳስ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ፃዒት ኢትዮጵያ ተቐቢሎም ናብ ሃገር ዝመፅኡ ዳያስፖራታት ኣብ ክልል ዓፋር እናገበሩ ዝርከቡ ዑደት ኣብ ወረዳ ዱብቲ ኣብ 500 ሄክታር መሬት እናለምዐ ዝርከብ ሕርሻ ተዓዚቦም።

እቲ ቦታ ቅድም ክብል ሕርሻ ልምዓት ሽኮር ተንዳሆ ዝነበረ እንትኸውን፥ ብዝተፈላለዩ ፀገማት ምኽንያት ግቡእ ረብሓ እንተይሃበ ምፅንሑ ተሓቢሩ።

ምክትል ሓላፊ ቢሮ ሕርሻ እቲ ክልል ኣይተ ኣብዱ ኢብራሂም፥ እቲ ልምዓት መስኖ ሓጋይ ብግምባር ልምዓት ንምዕዋት ዝግበር ዘሎ ጉዕዞ መርኣያ ከምዝኾነ ገሊፆም።

ካብ ዝለምዐ መስኖ ስርናይ ብሄክታር ክሳብ 35 ኩንታል ክርከብ ኢዩ ዝብል ትፅቢት ከምዘሎ ዝሓበሩ እቶም ሓላፊ፥ ከም ክልል 10 ሺሕ ሄክታር ንምልማዕ ትልሚ ከምዘሎ ተዛሪቦም፡፡

ኣብቲ መርሃ ግብሪ ዑደት፥ ኣብቲ ዓውዲ ዝረአዩ ፀገማት ዝምልከት ነቶም ዳያስፖራታት መብርሂ ተገይሩሎም።

ብሃብታሙ ተ/ስላሴ

ንኢትዮጵያ፦ ነልምዕ፣ ንህነፅ፣ ንዳሎ

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

Comments (0)
Add Comment