ዳያስፖራታት ኣብ ክልል ዓፋር ወረዳ ጭፍራ ብምኽንያ ኲናት ንዝተመዛበሉ ወገናት ተዓዚቦም

ኣዲስ ኣበባ፣ 26 ታሕሳስ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ቀዳማይ ሚኒትር ፌዴሪኢ ዶክተር ኣቢይ ኣሕመድ ዘቕረቡዎ ፃውዒት ተቐቢሎም ናብ ሃገር ዝኣተዉ ዳያስፖራታት ኣብ ክልል ዓፋር ወረዳ ጭፍራ ብምኽንያ ኲናት ንዝተመዛበሉ ወገናት ተዓዚቦም።

ግብረ ራዕዲ ጉጅለ ናብ ክልል ዓፋር ጥሒሱ ንምእታውን ሚሌ ንምቁፅፃርን ብዝገበሮ ፈተነ ካብ መረበቶም ዝተመዛበሉን ዝተጎድኡን ዜጋታት ኢዮም እቶም ዳያስፖራታት ተዘዋዊሮም ተዓዚቦምዎም ዘለዉ።

እቶም ዳያስፖራታት ብዝረኣዩዎ ነገር ኣዚዮም ከምዝሓዘኑን እቲ ጉጅለ ሃገር ንምፍራስ ዝኸዶ መገዲ ኣረመኔያዊነቱ ብቅልፂ ከምዘርኢን ንፋና ገሊፆም።

ተመዛበልቲ ዘለዉሉ ኩነታት ዝተዓዘቡ ኣባላት ዳያስፖራ መሊስካ ንምጥያሽ ሰፊሕ ስራሕ ከምዝሓትት ምዕዛቦም ተዛሪቦም።

ብሃብታሙ ተ/ስላሴ

ንኢትዮጵያ፦ ነልምዕ፣ ንህነፅ፣ ንዳሎ

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

Comments (0)
Add Comment