ዳያስፖራታት ናብ ሃገር እንትመፅኡ ዝራእቲ ሓረስቶት ዝእክቡሉ ዕድል ተመዓራሪዩ ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 14 ታሕሳስ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)መንግስት ዘቕረበሎም ሃገራዊ ፃውዒት ተቐቢሎም ናብ ኢትዮጵያ ዝመፅኡ ልዕሊ 1 ሚሊየን ኢትዮጵያውያንን ትውልደ ኢትዮጵያውያንን ብዝተፈላለየ ኩነታት ንምቕባል ምድላው ከምዝተገበረ ኣብ ምምሕዳር ከተማ ኣዶስ ኣበባ ዋና ፈፃሚት ስራሕ ክፍለ ከተማ ለሚ ኩራ መላኬ ኣለማየሁ ገሊፀን፡፡

እተን ዋና ፈፃሚት እቶም ኣጋይሽ ናብ ሃገሮም እንትመፅኡ ዝኾነ ይኹን ፀገም ከየጋጥሞም ኢሉ እውን ሕጉሳት ኮይኖም ንኅተኣናገዱ ምምሕዳር እቲ ክፍለ ከተማን ሴክተር ቤት ዕዮታትን ተዋዲዶም ኣብ ሰላምን ፀፅታን፣ ሓለዋ ፅሬት ከባቢ ከምኡ እውን ኣብ ባህሊን ሓድጊን ሃገር እናሰርሑ ከምዝርከቡ ሓቢረን፡፡

ኣጋይሽ ዝዓርፉሎም ሆቴላትን ክጥቀሙሎም ዝኽእሉ ሱፐር ማርኬታትን እኹላትን ደረጀኦም ዝሓለዉን ክኾኑ ንምግባር እውን ምስ ሰብ ሃፍቲን ዝምልከቶም ኣካላትን እናተሰርሐ ከምዝኾነ እተን ዋና ፈፃሚት ስራሕ ገሊፀን፡፡

ኣብቲ ክፍለ ከተማ ሓረስቶት ዝራእቲ ከምዘፍርዩ ዝሓበራ እተን ዋና ፈፃሚት ስራሕ፥ ኩነታት እቲ ክፍለ ከተማ ቀልቢ በፃሕቲ ከምዝስሕብን ዳያስፖራታት ናብ ሃገር እንትመፅኡ ዝራእቲ ሓረስቶት ዝእክቡሉ ዕድል ከምዝተመዓራሪየ ኣብሪሀን።

ከባቢኦም ያሓልዉ/ዋ!

ናብ ግንባር ይውፈሩ/ራ!

መከላከያ ይደግፉ/ፋ!

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

Comments (0)
Add Comment