ዳያስፖረኘታት መገልገሊ ውልቀ ኣቑሑት ሒዞም ምእታው ከምዝኽእሉ ኮሚሽን ጉምሩክ ገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 1 ታሕሳስ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)በዓል ገና ንምብዓል ናብ ውሽጢ ሃገር ዝኣትው ዳያስፖረኛታት መገልገሊ ውልቀ ኣቑሑት ሒዞም ምእታው ከምዝኽእሉ ኮሚሽን ጉምሩክ ኣፍሊጡ።

ኮሚሽነር ኮሚሽን ጉሙሩክ ደበሌ ቃበታ ሎሚ ኣብ ዝሃብዎ መግለፂ፥ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ ኣብ ወፃኢ ንዝነብሩ 1 ሚሊየን ኢትዮጵያውያንን ትውልደ ኢትዮጵያውያንን ፃውዒት ምቕራቦም ተኸቲሉ ነቶም ጋሻታት ንምትእንጋድ ኣድላይ ምድላው ከምዝተገበረ ገሊፆም።

ንሕክምና ዝመላለሱ መንገደኛታት ከምኡ ድማ ዲያስፖራታት መገልገሊ ውልቀ ኣቑሑት ሒዞም ምእታው ከምዝኽእሉ እቶም ኮሚሽነር ገሊፆም።

መገልገሊ ውልቀ ኣቑሑት ኣብ መምርሒ 51/2010 ኣቑሑት ንግዲ ሒዝካ ምእታው ዝክልክል ምዃኑ ዝገለፁ ዝበሉ እቶም ኮሚሽነር፤ ይኹን እምበር ሐዚ እውን ነጋዶ ብተደጋጋሚ ብምምልላስ ካብቲ መምርሒ ወፃኢ እናሰርሑ ከምዝርከቡ ተሓቢሩ።

ናብ ውሽጢ ሃገር ዝመፁ ዲያስፖረኛታት ንስድርኦም፣ ንሰራዊት ምክልኻል ሃገር፣ ከምኡ እውን ንተመዛበልቲን ንትካላት ጥዕናን ናውትታት ሒዞም ክመፅኡ ከምዝኽእሉ ኣገንዚቦም።

እቲ ኮሚሽን ዲያስፖራታት ብኣግባቡ ንምትእንጋድ ኣድላይ ምድላው ከምዝገበረ እውን ኣብሪሆም።

ከባቢኦም ይሓልዉ/ዋ!

ናብ ግንባር ይውፈሩ/ራ!

መከላከያ ይደግፉ/ፋ!

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

Comments (0)
Add Comment