ዲፕሎማሲያዊ ርክብ ኢትዮጵያን ሩዋንዳን ንምጥንኻር ኣብ ዘኽእሉ ጉዳያት ምይይጥ ተኻይዱ

ኣዲስ ኣበባ፣ 23 መስከረም፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ሚኒስትር ባህሊን ስፖርትን ኣይተ ቀጄላ መርዳሳ ዲፕሎማሲያዊ ርክብ ኢትዮጵያን ሩዋንዳን ንምጥንኻር ኣብ ዘኽእሉ ጉዳያት ምስ ኣምባሳደር ሩዋንዳ ኣብ ኢትዮጵያ ሆፕ ቱሙኩነድን ተዛቲዮም።

እቶም ሚኒስትር ነተን ኣምባሳደር ኣብ ቤት ጽሕፈቶም ተቐቢሎም ኣብ ዘዘራረቡኩ እዋን÷ ኢትዮጵያን ሩዋንዳን ህዝቢ መሰረት ዝገበሩ ምትእስሳር ባህሊ ኣብ ምጥንካር ኣድሂቦም ተመያይጦም፡፡

ኣብቲ እዋን ዘተ ክልቲአን ሃገራት ሓበራዊ ኣብ ዝገብሩወን ብዙሓት ክብሪታት ከምዘለዉወን ምግላፁ ካብ ሚኒስቴር ባህሊን ስፖርትን ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

እተን ኣምባሰደር ኣብ ቀረባ እዋን ኣብ ሩዋንዳ ኪጋሊ ኣብ ዝካየድ ኮንፈረንስ መናእሰይ ኣፍሪካ÷ኢትዮጵያ ንኽትሳተፍ ናይ ዕድመ ደብዳበ ነቶም ሚኒስትር ኣረኪበን።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com

Comments (0)
Add Comment