ዲፕሎማሰኛታት መንግስቲ ኣብ ትግራይ እናካየዶ ዝርከብ ወፍሪ ምኽባር ሕጊ ንዝምልከቶም ማሕበረሰብ ዓለም እናፍለጡ ከምዝኾኑ ገሊፆም

ኣዲስ ኣበባ፣ 6 ሕዳር፣ 2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትርን ሚኒስትር ጉዳት ወፃኢን ኣይተ ደመቀ መኮንን መንግስቲ ኣብ ክልል ትግራይ ብዛዕባ እናተኻየደ ዝርከብ ወፍሪ ምኽባር ሕጊ ብዝምልከት ምስ ሓለፍቲ ስራሕ ልኡኽ ዲፕሎማሰኛታት ዘተ ዌቢናር ኣካይዶም።

ኣብቲ ዘተ ዝተሳተፉ ሓለፍቲ ሚሲዮናት ከምዝገለፁዎ፥ ዕላማ እቲ ዝግበር ዘሎ ስጉምቲ ምኽባር ሕጊ ብዝምልከት ኩሎም መዳርግቲ ኣካላት ግልፂ ግንዛበ ንኽህልዎም ተገይሩ ኢዩ።

መንግስቲ ዘካይዶ ወፍሪ፥ ጁንታ ህወሓት እናስዐቦ ዘሎ ቅልውላው ጠጠው ንምባልን ኣባላት እቲ ጁንታ ናብ ሕጊ ንምቕራብን ዝዓለመ ከምዝኾነ ንዝምልከቶም ወሰንቲ ኣካላት ከገንዝቡ ከምዝኸኣሉ እውን ኣብሪሆም።

ንመንግስታት ዝተፈላለያ ሃገራት ኣብ ፅፁይ ሓበሬታ ዝተደረኸ ግንዛበ ንምፍጣር ከምዝሰርሑ ዝገለፁ እቶም ዲፕሎማሰኛታት፥ እዚ ምግባሮም ድማ መራኸብቲ ሓፋሽ ኣብ መሬት ዘሎ ሓቂ ተረዲኦም ሚዛኑ ዝሓለወ ፀብፃብ ንምስራሕ ከምዝሕግዝ ሓቢሮም።

እቲ ሚኒስቴር ቤት ዕዮን ሚሲዮናቱን ዝተዛበዐ ሓበሬታ ከይፍኖ ትኹረት ገይሮም ከምዝሰርሑ እውን ገሊፆም።

ኣብ ትግራይ እናተኻየደ ዝርከብ ወፍሪ ምኽባር ሕጊ ሲቪላት ከይጉድኡ ግቡእ ጥንቃቐ ብምግባር ከምዝኾነ ኣይተ ደመቀ መኮንን ዝገለፁ እንትኾኑ፥ ካብ ጁንታ ህወሓት ናፃ ኣብ ዝወፅኡ ከባቢታት ዝርከቡ ማሕበረሰባት ኣድላዩ ሰብኣዊ ሓገዝ እናተገበረ ይርከብ ኢሎም።

ኩሎም ሓለፍቲ ሚሲዮናትን ዲፕሎማሰኛታትን መንግስቲ ኣብ ልዕሊ እቲ ጁንታ ዘወስዶ ስጉምቲ ምኽባር ሕጊ ብዝምልከት ንዞባዊን ዓለም ለኻዊን ማሕበረሰብ ግንዛበ ናይ ምሃብ ስረሖም ኣጠናኺሮም ንኽቕፅ ኣይተ ደመቀ ኣተሓሳሲቦም፡፡

ፍልፍል፦ ግዜኢ

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment