ኣዲስ ኣበባ፣ 1 ጉንበት፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ዲጂታል ክእለት ዘለዎ ዜጋ ንምፍጣር ዘኽእሉ ማእኸላት ዲጂታል ትራንስፎርሜሽን ከምዝጣየሹ ሚኒስቴር ኢኖቬሽንን ቴክኖሎጂን ኣፍሊጡ።
ሚኒስትር ዲኤታ ኢኖቬሽንን ቴክኖሎጂን ሁሪያ ዓሊ፥ “እተን ማእኸላት ዓለም ለኸ ደረጃ ዘለዎም ስልጠናታት ንምርካብን መረጋገፂ ብቕዓት ንምውሳድን ዘገልግሉ ከምኡ እውን ስራሕ ንምፍጣር ዘኽእሉን ተወዳዳሪ ዲጂታል ክእለት ዘለዎ ሓይሊ ሰብ ንምፍጣር ዓቢዪ ኣስተዋፅኦ ክህልዎም ኢዩ” ኢለን፡፡
እተን ማእኸላት ሚኒስቴር ኢኖቬሽንን ቴክኖሎጂን ምስ ዓለም ለኸ ሕብረት ቴሌኮም ብምትሕብባር ከምዘጣይሾምን ዩኒቨርሲቲታት፣ ናይ ሳይንስ ካፌታት ማእኸላት መናእሰይ ብምክታት ከምዝስራሕን ኣመልኪተን፡፡
ሓላፊ ቤት ፅሕፈት ዓለም ለኸ ሕብረት ቴሌኮም ክልል ኣፍሪካ ኣኒ ራቺል ኢነ ብግደአን፥ ዓለም ለኸ ሕብረት ቴሌኮም ኣብ ኢትዮጵያ ምንቅስቓስ ማእኸላት ዲጂታል ትራንስፎርሜሽን ከምዝድግፍ ገሊፀን፡፡
እተን ማእኸላት ንምጥያሽ ኣብ ዝከኣለሉ ኩነታት ብምትኳር ምስ ዓለም ለኸ ሕብረት ቴሌኮምን ዝተፈላለዩ መዳርግቲ ኣካላትን ልዝብ ከምዝተገበረ ካብቲ ሚኒስቴር ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡
እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦
ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana
ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/
ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision
ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna
https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!
ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት
https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።