ዲጂታል ልምዓት ኢኮኖሚ ኢትዮጵያ ንምድጋፍ ዘኽእል ስምምዕነት ምትሕብባር ተፈሪሙ

ኣዲስ ኣበባ፣ 28 ነሓሰ፣ 2013(ኤፍ ቢ ሲ)ዲጂታል ልምዓት ኢኮኖሚ ኢትዮጵያ ንምድጋፍ ዘኽእል ስምምዕነት ምትሕብባር ኣብ ሞንጎ ኢትዮጵያን ጀርመንን ተፈሪሙ።

እቲ ስምምዕነት ማዕቐፍ ዲጂታል ልምዓት ኢኮኖሚን ፖሊሲን ዲጂታል ኢትዮጵያ 2025 ንምድጋፍ ዘኽእል ኢዩ።

ዲጂታል ኢኮኖሚ ኢትዮጵያ ንዘፈር ውልቀ ዝተመቸወ ምግባርን እቲ ዓውዲ ግቡእ ኣስተዋፅኦ ንኽገብር ድሌት ክልቲአን ሃገራት ከምዝኾነ ኣብቲ ስነ-ስርዓት ፌርማ ተገሊፁ።

ብፍላይ ደቀቕቲን ማእኸለዎትን ኢንተርፕራይዛት ኣብ ውሽጢ ዲጂታል ኢኮኖሚ ብዝግባእ ንኽትፉ ፍሉይ ትኹረት ክወሃቦ ኢዩ ተባሂሉ።

እቲ ስምምዕነት ብወገን መንግስቲ ጀርመን ምክትል ሚኒስትር ጉዳያት ኢኮኖሚን ኢነርጂን ጀርመን ቫንደርቪትዝ ዝፈረሙ እንትኾ፥ ብወገን ኢትዮጵያ ድማ ሚኒስቴር ኢኖቬሽንን ቴክኖሎጂን ብምውካል ኣምባሳደር ኢትዮጵያ ኣብ ጀርመን ኣምባሳደር ሙሉ ሰሎሞን ምፍራሞም ካብቲ ሚኒስቴር ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

Comments (0)
Add Comment