ዲጂታል ሉኣላውነት ጉዳይ ብሄራዊ ሉኣላዊነት ሓንቲ ሃገር ከምዝኾነ ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 3 ሕዳር፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ኢትዮጵያ ማሕበራዊ ምትእስሳር ገፃት ንምልማዕ ዝሓዘቶ ቅዋም ኣብ ዓውዲ ቴክኖሎጂ ናፃ ሃገር ምዃና ዘርኢ ከምዝኾነ ኤጄንሲ መርበብ ሓበሬታን ድሕንነትን ገሊፁ።

ዋና ዳይሬክተር እቲ ኤጀንሲ ዶክተር ሹመቴ ግዛው፥ ጉዳይ ዲጂታል ሉኣላዊነት ብብርኪ ዓለም ዓቢዪ ዛዕባ እናኾነ ምምፅ ገሊፆም።

“ድሕንነት ሳይበር ትካላትና ምሕላው እንትከኣል ድሕንነት ሃገር ምሕላው ኢዩ” ዝበሉ እቶም ዋና ዳይሬክተር፥ ኣብ ምህዳር ሳይበር ሉኣላዊነት ሃገር ምሕላው ድማ ንሓደ ጉጅለ ወይ እውን ትካል ዝግደፍ ከምዘይኮነ ኣብሪሆም።

ኢትዮጵያ ዓባይ ሃገር ኢያ ዝበሉ ዶክተር ሹመቴ፥ “ናፃ ሃገር ኮይንና ፀኒሕና ኢና ኣብ ዓውዲ ዘተክሎኖጂ እውን ናፅትና ክነርኢ ይግባእ” ኢሎም፡፡

ኣብ ዘፈር ማሕበራዊ ሚዲያ ባናይ ባዕልኻ ዓቕሚ ከምኡ እውን ምስ ውልቀ ዓውዲ ብምውዳድ እናተሰርሑ ዝርከቡ ስራሕቲ ከምዘለዉን ውፅኢት ከምዝተረኸበን ምግላፆም ካብቲ ኤጀንሲ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

ከባቢኦም ይሓልዉ/ዋ!

ናብ ግንባር ይውፈሩ/ራ!

መከላከያ ይደግፉ/ፋ!

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

Comments (0)
Add Comment