ዲያስፖራ ኣብ ዓውዲ ቴክኖሎጂ ድልየት ዕዳጋ ዓለም ለኸ ተሓሳቢ ኣብ ዝገበረ ስራሕ ንክዋፈር ተሓቲቱ

ኣዲስ ኣበባ፣ 4 ጥሪ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ማሕበረሰብ ዲያስፖራ ኣብ ዓውዲ ቴክኖሎጂ ኣማራፅታት ቢዝነስ ንክዋፈርን ኣብ ውሽጢ ሃገር ምስ ዘለው ሰብ ሞያታት ንክፋለጥ ዝገበር ፎረም መርበብ ሓበሬታ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ይካየድ ኣሎ፡፡

ሚኒስትር ዴኤታ ቴክኖሎጂን ኢኖቬሽንን ሑሪያ ዓሊ÷ ማሕበረሰብ ዲያስፖራ ሸርፊ ወፃኢ ኣብ ዝርከበሉ፣ ንመናእሰይ ዕድል ስራሕ ኣብ ዝፈጥርን ድልየት ዕዳጋ ዓለም ለኸ ተሓሳቢ ኣብ ዝገበረን ስራሕ ንክዋፈር ሓቲተን፡፡

መንግስቲ ኣብ ብዘፈር ውልቀ ዝምራሕ ኢኮኖሚ ዲጂታል ንምህናፅ ብትኹረት እናሰርሐ እዩ ዝበላ እተን ሚኒስትር ዴኤታ÷ ዘፈር ውልቀን ዲያስፖራን ኣብቲ ዓውዲ እናገበርዎ ንዘለው ምንቅስቓስ መንግስቲ ኣድላይ ሓገዝ ከምዝገብር ኣረጋጊፀን፡፡

ብብርኪ ዓለም ለኸ ፈጠራ ዕድል ስራሕ ዲጂታል እናሰፈሐ ብምምፅኡ መናእሰይ ነዚ ስራሕ ድልዋት ምግባር ብዝተዋደደ መልክዑ ምስራሕ ወሳኒ ከምዝኾነን ምግላፁ ካብቲ ሚኒስቴር ዝረኸብናዮ መረዳእታ የመላኽት፡፡

ንኢትዮጵያ፦ ነልምዕ፣ ንህነፅ፣ ንዳሎ

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

Comments (0)
Add Comment