ደ/ር ይልቃል ከፋለ ምስ ላዕለዎት ኣመራርሓታት መርሃ ግብሪ ምግቢ ዓለም ተዛቲዮም

ኣዲስ ኣበባ፣ 28 ጥቅምቲ፣ 2014 (ኤፍ ቢሲ)ርእሰ ምሕዳር ክልል ኣምሓራ ዶክተር ይልቃል ከፋለ ምስ ላዕለዎት ኣመራርሓታት መርሃ ግብሪ ምግቢ ዓለም ተዛቲዮም።

እቲ ግብረ ራዕዲ ጉጅለ ብወራር ኣብ ዝሓዞም ከባቢታት ክልል ኣምሓራ ንፁሃን ካብ ምቕታል ክሳብ ምምዝባል ዝበፅሑ ግፍዒታት እናፈፀመ ከምዝኾነ እቶም ርእሰ ምምሕዳር ገሊጾም።

መንግስቲ ክልል ብምኽንያት እቲ ጉጅለ ኣብ ፀገም ዝወደቑ ዜጋታት ንምርዳእ ፃዕሪ እናገበረ ይኹ እምበር ብዘሎ ውስንነት ዓቕሚ ነቲ ፀገም ምቅላል ከምዘይተኸኣለ ኣብሪሆም።

ትካላት ኣቕረብቲ ሓገዝ ውድብ ሕቡራት መንግስታት ክሳብ ሕዚ ነቲ ፀገም ንምቅላል ንዝገበሩዎ ርብርብ ምስጋና ዘቕረቡ ዶክተር ይልቃል፥ ሕዚ እውን በቲ ጉጅለ ኣብ ፀገም ዝወደቑ ዜጋታት ቁፅሮም እናወሰኸ ብምምፅ ቅልጡፍ ሓገዝ ምግባር ይፍባእ ክብሉ ምሕታቶም ኢቢሲ ፀብፂቡ፡፡

ኣብዚ ሕዚ እዋን 7 ሚሊየን ዝኾኑ ነበርቲ እቲ ክልል ኣብ ሓደጋ ከምዝወደቑን ካብ ሞንጎ እዚኣቶም ድማ 6 ሚሊየን ዝኾኑ ህፁፅ ሰብኣዊ ሓገዝ ዝጠልቡ ከምዝኾኑን ተሓቢሩ።

ከባቢኦም ይሓልዉ/ዋ!

ናብ ግንባር ይውፈሩ/ራ!

መከላከያ ይደግፉ/ፋ!

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

Comments (0)
Add Comment