ኣዲስ ኣበባ፣ 17 ሓምለ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ደቡብ ኮሪያ ኣብ ኢትዮጵያ ንዝተፈላለዩ ክፋላት ሕብረተሰብ ዝውዕል ተወሳኺ 1 ነጥቢ 5 ሚሊየን ዶላር ሓገዝ ገይራ።
እቲ ሓገዝ ብወገን ፕሮግራም ምግቢ ዓለም፣ ብዓለም ለኸ ማሕበር ቀይሕ መስቀል፣ ኣብ ውድብ ሕቡራት መንግስታት ትካል መድሕን ህፃናት ኣብ ውድብ ሕራት መንግስታት ቤት ምኽሪ ሰብኣዊ መሰላትን ኣቢሉ ዝከፋፈል ኢዩ ተባሂሉ፡፡
ደቡብ ኮሪያ ኣብ ኢትዮጵያ ሰብኣዊ ሓገዝ ንዘድልዮም ዜታት ኣድላዪ ሓገዝ ንምግባር ምስ መንግስቲ ኢትዮጵያ ብሓባር ንምስራሕ ቆራፅ ከምዝኾነት ተገሊፁ፡፡
ኣብ ኢትዮጵያ ሰብኣዊ ሓገዝ እናከፋፈሉ ካብ ሞንጎ ዝርከቡ ዓለም ለኸ ትካላት ብምውዳድ ከምትሰርሕ ምግላፁ እውን ካብ ኤምባሲ ደቡብ ኮሪያ ኣብ ኢትዮጵያ ዝረኸብናዮ ሓሬታ የረድእ፡፡
ደቡብ ኮሪያ ኣብቲ ሒዝናዮ ዘለና ዓመት ኣቆፃፅራ ኣውሮፓውያን÷ ኣብ ኢትዮጵያ ብዝተፈላለዩ ምኽንያታት ኣብ ፀገም ንዝርከቡ ዜጋታት ዝውዕል 10 ነጥቢ 7 ሚሊየን ዶላር ሓገዝ ምግባራ ተሓቢሩ፡፡
ብመላኩ ገድፍ
እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦
ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana
ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/
ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision
ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/…
ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com