ደቡብ ኮሪያ ንኢትዮጵያ ሓዊሱ ን5 ሃገራት ናይ መግቢ ድጋፍ ንምግባር ዘኽእል 1 ነጥቢ 2 ሚሊየን ዶላር ለጊሳ

ኣዲስ ኣበባ፣ 24 ነሓሰ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ደቡብ ኮሪያ ንኢትዮጵያ ሓዊሱ ን5 ሃገራት ናይ መግቢ ድጋፍ ንምግባር ዘኽእል 1 ነጥቢ 2 ሚሊየን ዶላር ከምዝለገሰት ፕሮግራም ምግቢ ዓለም ገሊፁ።

ፕሮግራም ምግቢ ዓለም ካብታ ሃገር ዝተረኸበ ገንዘብ ንኢትዮጵያ፣ ናይጄሪያ ፣ ማዳጋስካር ፣ደቡብ ሱዳንን ቡርኪናፋሶን ተሓገዝቲ ሰብኣዊ ደገፍ ንምግባር ክውዕል ኢዩ ኢሉ።

ዳይሬክተር ከባቢ ምዕራብ ኣፍሪካ ፕሮግራም ምግቢ ዓለም ክሪስ ኒኮይ፥ ብምኽኒያት ለውጢ ከባቢ ኣየር፣ ምልባዕ ኮቪድ 19ን መንኣስ ኣቕርቦት ፅሩይ መስተ ማይን ኣብ ተወለድቲ ማዳጋስካር ልዑል ሕፅረት ምግብን ምስኣት ውሕስነት ምግብን ከምዘጋጠሞም ተዛሪበን።

ፕሮግራም ምግቢ ዓለም በምኽኒያት ጎንፂ፣ ተፈጥሮ ሓደጋ፣ ለውጢ ከባቢ ኣየርን ካልኦት ምኽኒያታትን ሕፅረት ምግቢ ንዘጋጠሞም ተጎዳእቲ ነዝግበር ድጋፍ ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮፓውያን ኣብ 2020 ሸልማት ኖቤል ሰላም ምርካቡ የፍለጥ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

Comments (0)
Add Comment