ደቡብ ኮሪያ ንኢትየጵያ ናይ 7 ሚሊየን ዶላር ደገፍ ገይራ

ኣዲስ ኣበባ፣ 1 ነሓሰ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)መንግስቲ ደቡብ ኮሪያ ንኢትየጵያ ንሰብኣዊ ሓገዝ ዝውዕል ናይ 7 ሚሊየን ዶላር ደገፍ ገይሩ።

እቲ ደገፍ፥ ብፕሮግራም ልምዓት ውድብ ሕቡራት መንግስታት(UNDP)፣ ፕሮግራም ምግቢ ዓለም(WFP)፣ ዓለም ለኸ ማሕበር ቀይሕ መስቀል(ICRC)፣ ትካል ሓገዝ ህፃናት ውድብ ሕቡራት መነግስታት(ዩኒሴፍ) ኣቢሉ ተበፃሒ ከምዝግበር ተገሊፁ።

ብመሰረት እዚ እቲ ደገፍ ንነበር ዕጡቓት እግሪ ንምትካል ነዝግበር ፃዕሪ ከምዝውዕል ተሓቢሩ።

ደቡብ ኮሪያ ዝገበረቶ ደገፍ ብዓለም ለኸ ትካል ሓገዝ ኣቢሉ ዝውዛዕ ከምዝኾነ ኤምባሲ  ደቡብ ኮሪያ ኣብ ኢትዮጵያ ንፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት ኣብ ዝለኣኾ ሓበሬታ ኣፍሊጡ።

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment