ደቡብ ኮሪያ ሰብ ሃፍታ ኣብ ኢትዮጵያ ኢንቨስት ንክገብሩ ፃዕሪ ክግበር ኢዩ ኢላ

ኣዲስ ኣበባ፣ 18 ለካቲት፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ደቡብ ኮሪያ ሰብ ሃፍታ ኣብ ኢትዮጵያ ኢንቨስት ንክገብሩ ፃዕሪ ከምእትገብር ፍሉይ ልኡኽ ፕሬዚዳንት እታ ሃገር ጃንግ ሱንግ ሚን ተዛሪቦም።

ጃንግ ሱንግ ሚን ከምዝበልዎ፥ ኢትዮጵያን ደቡብ ኮሪያን ብዓውዲ ንግዲን ኢኮኖሚን ዘለወን ምትሕብባር ንምጥንኻር ብትኹረት ይስራሕ ኣሎ።

ብፍላይ ኣብ ዓውዲ ኢንቨስትመንት ዘለወን ርክብ ብዝበለፀ ንምጥንኻር ትልሚ ተሰናዲኡ ይስራሕ ከምዘሎ ተዛሪቦም።

መንግስቲ ደቡብ ኮሪያ ተወሰኽቲ ሰብ ሃፍቲ እታ ሃገር ኣብ ኢትዮጵያ ኢንቨሰት ንክገብሩ ባህጊ ከምዘለዎ ሓቢሮም።

ስለዝኾነ እቶም ሰብ ሃፍቲ ውፅኢታዊያን ዝኾንሎም ዓውዲታት ምስ መንግስቲ ኢትዮጵያ ብምዃን ዘተ ከምዝተገበረ ገሊፆም።

ብመላኩ ገድፍ

 

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

Comments (0)
Add Comment