ኣዲስ ኣበባ፣ 9 ሕዳር፣ 2017 (ኤፍ ቢ ሲ)ደቡብ ኮሪያ ምስ ኢትዮጵያ ኣብ ዲጂታል ዕዳጋ፣ ልውውጥ ባህሊ ወዘተ ብሓባር ንምስራሕ ባህጊ ከምዘለዋ ገሊፃ።
ሚኒስትር ብግዲን ቀጣናዊ ዝምድናን ካሳሁን ጎፌ (ዶ/ር) ምስ ኣምባሳደር ደቡብ ኮሪያ ኣብ ኢትዮጵያ ካንግ ጁንግ ኣብ ከልቲኣዊን ጉዳያት ምትሕብባር ጠመተ ዝገበረ ዘተ ኣሳሊጦም።
ካሳሁን ጎፌ (ዶ/ር)፥ ክልቲአን ሃገራት ፅኑዕ ርክብ ከምዘለወን ተዛሪቦም።
ንፍሪያት ግብርና ኢትዮጵያ ዕዳጋ ደቡብ ኮሪያ ብዝበለፀ ክፍቲ ንክኸውንን ሰብ ሃፍቲ እታ ሃገር ኣብ ኢትዮጵያ ኢንቨስት ንክገብሩን ፃውዒት ኣቕሪቦም።
ኣምባሳደር ካንግ ብግደኦም፥ ደቡብ ኮሪያ ምስ ኢትዮጵያ ኣብ ዲጂታል ዕዳጋ ብሓባር ንምስራሕ ባህጊ ከምዘለዋ ገሊፆም።