ደቡብ ኣፍሪካ ፈላማይ ፈተነ ክታበት ቫይረስኮሮና ክትጅምር ኢያ

ኣዲስ ኣበባ፣ 16 ሰነ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ክታበት ኮቪድ-19 ንምርካብ ኣብ ዝግበር ዘሎ ፃዕሪ ደቡብ ኣፍሪካ ኣብዚ ሰሙን ፈላማይ ፈተነ ክታበት ክተካይድ እያ።

እቲ ፈላማይ ዝኾነ ፈተነ ክታበት ቫይረስኮሮና ኣብ ኣፍሪካ ከም ዝካየድ ኣብ ጆሃንስበርግ ዝርከብ ዩንቨርሲቲ ዊትስ እዩ ኣፍሊጡ።

ኣብ ደቡብ ኣፍሪካ ዛጊድ ብውሕዱ 80 ሺሕ ሰባት ብሕማም ኮቪድ-19 ዝተለኸፉ እንትኾኑ፥ ካብ ወርሒ መጋቢት ጀሚሩ ልዕሊ 1 ሺሕን 674 ህይወቶም ስኢኖም ኢዮም።

ፕረሬዚዳንት እታ ሃገር ካብ ሽዑ ጀሚሩ ኣዋጅ ህፁፅ ግዜ ብምእዋጅ፥ ፅኑዕ ዕፅዋ ምንባሮም ይዝከር።

እታ ሃገር ኣብ ኣፍሪካ በቲ ሕማም ኣዝያ ዝተሃሰየት እንትትኮን፥ ኣብ ኣፍሪካ ካብ ዘጋጠመ መልከፍቲታት እቲ 30 ሚኢታዊ ካብቲ ዘጋጠመ ሞት ድማ 23 ሚኢታዊ ኣብታ ሃገር ዘጋጠመ ኢዩ።

ነቲ ኣብ ደቡብ ኣፍሪካ ዝካየድ ፈተነ ክታበት፥ ዩንቨርሲቲ ዊትስ ምስ ዩንቨርሲቲ ኦክስፎርድ ብምትሕብባር እዩ ክፍፀም ተባሂሉ።

ኣብዚ ፈተነ ክታበት ንዝሳተፉ ሰባት ኣብቲ ዝሓለፈ ሰሙን እቶም ዩንቨርስቲታት ኣለልዮም ከም ዝወድኡን ኣብ’ዚ ሰሙን ከም ዝኽተቡን ተገሊፁ።

እቲ ክታበት ኣብ ብሪታኒያ ብዙሓት ሰባት ኣብ ዝሳተፍሉ ይፍተን ዘሎ እዩ።

ኣብ ብሪታንያ ኣብ ዝካየድ ዘሎ ፈተነ ክታበት ንምስታፍ 4 ሺሕ ሰባት ተመዝጊቦም እዮም ተባሂሉ።

ካብቲ ኣብ ደቡብ ኣፍሪካ ዝግበር ዘሎ ፈተነ ብተወሳኺ ተመሳሰልቲ መፅናዕትታት ኣብ ብራዚል’ውን ተጀሚሩ’ሎ።

ኣብ ኣመሪካ ድማ ክሳብ 30 ሺሕ ሰባት ዝሳተፍሉ ናይዚ ክታበት መፅናዕቲ ክግበር መደብ ኣሎ።

ሰብሞያ ነቲ ክታበት “ChAdOx1 nCoV-19” ኢሎም እዮም ዝፅውዕዎ።

ፍልፍል፦ቢቢሲ

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

https://t.me/tigrignafana

Comments (0)
Add Comment