ደቡብ ኣፍሪካ ምስ ኢትዮጵያ ዘለዋ ርክብ ኣጠናኺራ ከምትቕፅል ገሊፃ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 4 ለካቲት፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣምባሳደር ደቡብ ኣፍሪካ ኣብ ኢትዮጵያ ኤድዋርድ ዞሊሳ ማካያ ሃገሮም ምስ ኢትዮጵያ ዘለዋ ርክብ ኣጠናኺራ ከምትቕፅል ገሊፆም።

በቶም ኣምባሳደር ዝተመርሐ ጉጅለ ልኡኽ፤ ምስ ቀዋሚ ኮሚቴ ጉዳያት ጉዳያት ወፃኢን ሰላምን ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ፌዴሪኢ ተዛቲዩ።

ኢትዮጵያ ስርዓት ኣፓርታይድ ካብ ደቡብ ኣፍሪካ ንኽጠፍእ ቁልፊ ብፅሒት ካብ ዝተፃወታ ሃገራት ኣብ ቅድሚት ትፅራሕ ከምዝኾነት ዘዘኻኸሩ እቶም ኣምባሳደር፥ እዚ ታሪኻዊ ርክብ ብሄራዊ ረብሓ ክልቲአን ሃገራት ብዝሓለወ መልክዑ ተጠናኺሩ ከምዝቕፅልን ነዚ ድማ ደቡብ ኣፍሪካ ካብ ዝኾነ ይኹን እዋን ንላዕሊ ቆራፅ ምዃናን ገሊፆም፡፡

ርክብ ክልቲአን ሃገራት ንምጥንኻር ኣብ ዓውዲታት ትምህርቲ፣ ሳይንስን ቴክኖሎጂን፣ ኢኮኖሚ ከምኡ እውን ኣብ ጉዳያት ፀፅታ ዝተፈላለዩ ናይ ምትሕብባር ስምምዓት ሰነዳት ከምዝፈራረሙ ገሊፆም፡፡

ኣካቢ እቲ ቀዋሚ ኮሚቴ ዶክተር ነገሪ ሌንጮ ብግደኦም፥ ኢትጵያ ርክብ ክልቲአን ሃገራትን ብሄራዊ ረብሐአን ንምሕላውን ብዘኽእል መልክዑ ደቡብ ኣፍሪካ ምስ ኢትዮጵያ ሓቢራ ንምስራሕ ዘለዋ ቆራፅነት ብምንኣድ ኢንቨስተራት ደቡብ ኣፍሪካ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ዘመቻቸዎም ኣማራፂታት ኢንቨስትመንት ተረባሕቲ ከምዝኾኑ እውን ነቶም ኣምባሳደር ኣብሪሆም፡፡

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ

ይግበሩ/ራ!

Comments (0)
Add Comment