ደቡብ ሱዳን ናይ ናይል ተፋሰስ ናይ ምትሕብባር ማዕቐፍ ስምምዕነት ምፅዳቓ ንኢትዮጵያ ታሪካዊ ኣጋጣሚ ኢዩ-ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር)

ኣዲስ ኣበባ፣ 10 ሓምለ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ደቡብ ሱዳን ናይ ናይል ተፋሰስ ናይ ምትሕብባር ማዕቐፍ ስምምዕነት ምፅዳቓ ንኢትዮጵያ ታሪካዊ ኣጋጣሚ ኢዩ ክብሉ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ገሊፆም።

እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ ማሕበራዊ ሚዲየኦም ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፥ ደቡብ ሱዳን ናይ ናይል ተፋሰስ ናይ ምትሕብባር ማዕቐፍ ስምምዕነት ምፅዳቓ ሓቢሮም።

እዚ ንኢትዮጵያ ታሪካዊ ኣጋጣሚ ኢዩ ኢሎም።

ደቡብ ሱዳን እቲ ስምምዕነት ምፅዳቓ ናይ ናይል ተፋሰስ ሃገራት ኣብ ኣጠቓቕማ ማይ ዘለወን ባህጊ ዕላዊ ንምግባር ንዝግበር ፃዕሪ ርኡይ ስጉምቲ ኢሉ ኢሎም።

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment