ደቡብ ሱዳን ብዓውዲ ኣቪየሽን ምስ ኢትዮጵያ ዘለዋ ርክብ ኣጠናኺራ ከምእትቕፅል ኣፍሊጣ

ኣዲስ ኣበባ፣ 24 ጥቅምቲ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ደቡብ ሱዳን ብዓውዲ ኣቪየሽን ምስ ኢትዮጵያ ዘለዋ ርክብ ኣጠናኺራ ከምእትቕፅል ኣፍሊጣ።

ኣምባሳደር ኢትዮጵያ ኣብ ደቡብ ሱዳን ነቢል ማህዲ ምስ ሚኒስትር ትራንስፖረት ደቡብ ሱዳን ኣብ ክልቲኣዊን ሃገራዊን ዛዕባ ብምድሃብ ተዛቲዮም።

እቲ ዘተ ኣብ እዋናዊ ኩነታት ኢትዮጵያ፣ ምርግጋዕ ሱዳንን ኣብ ደቡብ ሱዳን ኣቪየሽን ኢንዱስትሪ ንምጥንኻር ዝተጀመረ ምንቅስቓስ ኣጠናኺርካ ምቕፃል ኣበ ዘኽእል ጉዳይ ዘተኮረ ኢዩ ተባሂሉ።

እቶም ሚኒስትር፥ ኢትዮጵያ ውሽጣዊ ፀገማ ባዕላ ምፍታሕ እትኽእል ምዃናን መስ መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ብዓውዲ ኣቬሽን ዘሎ ርክብ ነምጥንኻር ከምዝሰርሑን ምግላፆም ካብ ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ዝረከብናዮ ሓበሬታ የረድአ።

 

ከባቢኦም ይሓልዉ/ዋ!

ናብ ግንባር ይውፈሩ/ራ!

መከላከያ ይደግፉ/ፋ!

 

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

Comments (0)
Add Comment