ደቡብ ሱዳን ምስ ኢትዮጵያ ኣብ ክሊ ሰላምን ፀፅታን ብሓባር ከምእትሰርሕ ገሊፃ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 17 ሕዳር፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ደቡብ ሱዳን ምስ ኢትዮጵያ ኣብ ክሊ ሰላምን ፀፅታን ብሓባር ከምእትሰርሕ ገሊፃ።

ላዕለዎት መኮንናት ጄኔራል ሓበሬታ ክልቲአን ሃገራት ኣብ ዝተፈላለዩ ዛዕባታት ሰላምን ፀፅታን ተዛቲዮም።

ደቡብ ሱዳን ምስ ኢትዮጵያ ኣብ ክሊ ሰላምን ፀፅታን ብሓባር ምስራሕ ኣጠናኺሮም ክምዝቕፅልሉ ድማ ሓቢሮም።

ሓላፊ ወተሃደራዊ ሓበሬታ ደቡብ ሱዳን ሌተናል ጄኔራል ማርሻል ስቴፈን ባባነን፥ ክልቲአን ሃገራት ሰላም ኣብ ምርግጋፅ ብሓባር ይሰርሓ ከምዘለዋ ተዛሪቦም።

ኣብ ቀፃሊ እውን እዚ ተግባር ኣጠናኺረን ከምዝቕፅላሉ ሓቢሮም።

ካብ ዋና መምርሒ ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ፌዴሪኢ ሜጄር ጄኔራል ደምሰው ኣመኑ ብግደኦም፥ ክልቲአን ሃገራት ብኹለ ዓውዲ ብሓባር ናይ ምስራሕ ታሪክ ዘለወን ከምዝኾና ገሊፆም።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

Comments (0)
Add Comment