ደቡባዊ ዓለም ንምድንፋዕ ምትሕብባር ኢኮኖሚ ደቡብ-ንደቡብ ዓብዪ ዓቕሚ ኣለዎ – ቀ/ሚ ኣቢይ (ዶ/ር)

ኣዲስ ኣበባ፣ 7 ሕዳር ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ደቡባዊ ዓለም ንምድንፋዕ ምትሕብባር ኢኮኖሚ ደቡብ-ንደቡብ ዓብዪ ዓቕሚ ከምዘለዎ ንርዳእ ክብሉ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር)  ገሊፆም።

ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ (ዶ/ር) ኣብ ማሕበራዊ ምትእስሳር ገፆም ኣብ ዘመሓላለፉዎ ፅሑፍ÷ “ቀዳማይ ሚኒስትር ናሬንድራ ሞዲ ካልኣይ መርሃ ግብሪ መኽፈቲ ጉባኤ ዘተ መራሕቲ ስለዘካየዱ የመስግን” ኢሎም።

ኣብ ሞንጎ ሃገራት ደቡባዊ ዓለም÷ ምትሕብባር ምጥንኻር፣ ብሓደ ድምፂ ምዝራብን ኣብ ጉዳያት ኢኮኖሚ ዓለም ርኡይ ግደ ምፅዋትን ሓሳብ ከምዘካፈሉ እውን ኣብሪሆም።

ካብዚ ሓሊፉ እውን ኣብ ፈጠራን ኣድላይነት ምጥቃም ዓቕሚታት ኣርቴፊሻል ኢንተሊጀንስ ሓሳብ ከምዘካፈሉ  ገሊፆም፡፡

“ዘለዉና ሰፋሕቲ ዓቕሚታት ሓበራዊ ሸቶታት ልምዓትን እንትንርኢ ኣብ ደቡባዊ ዓለም ንደቡብ-ንደቡብ ምድንፋዕ ምትሕብባር ኢኮኖሚ ዕዙዝ ዓቕሚ ከምዘለዎ ንርዳእ” ክብሉ ተዛሪቦም።

#Ethiopia

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment