ኣዲስ ኣበባ፣ 16 ሰነ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ደቂ ኣንስትዮ ዲፕሎማሰኛታት ኣብ ዓለም ለኸ መድረኻት ዘለወን ተሳትፎ ብምጥንኻር ደቂ ንኣንስትዮ ብማዕርነት ትውክል ፍትሓዊት ዓለም ንምፍጣር ዘለወን ግደ ክዋፅኣ ከምዝግባእ ፕሬዚዳንት ሳህለወርቅ ዘውዴ ፀዊዐን።
ዓለም አለኸ መዓልቲ ደቂ ኣንስትዮ ዲፕሎማሰኛታት “ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ዓውዲ ዲፕሎሚሲ” ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ኣብ ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ተኸቢሩ፡፡
ኣብቲ መርሃ-ግብሪ÷ ፕሬዚዳንት ሳህለወርቅ ዘውዴ፣ ሚኒስትር ዴኤታ ጉዳያት ወፃኢ ኣምባሳደር ብርቱካን አያኖ ፣ ደቂ ኣንስትዮ ኣመራርሓ ዓለም ለኸ ትካላት፣ ደቂ ኣንስትዮ ሚኒስትራት፣ ኣምባሳደራትን መቐመጢአን ኣብ ኣዲስ ኣበባ ናይ ዝገበራ ዝተፈላለያ ሃገራት ደቂ ኣንስትዮ ዲፕሎማኛታትን ተረኺበን።
ፕሬዚዳንት ሳህለወርቅ÷ ሃገረን ብምውካል ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራን ዓለም ለኸ ትካላትን ብሓላፍነት ኣብ ዘገልገላሉ እዋን ዝሓለፈኦ ልምዲን ተሞክሮን ኣካፊለን።
በዚ ድማ መናእሰይ ደቂ ኣንስትዮ ዲፕሎማሰኛታት ዘጋጥሙወን ፅዕንቶታት ብምፅዋር ኣብቲ ዓውዲ ውፅኢታዊ ስራሕ ምውጋን ከምዝኽእላ ተዛሪበን፡፡
ብምዃኑ ደቂ ኣንስትዮ ዲፕሎማሰኛታት ኣብ ዓለም ለኸ መድረኻት ዘለወን ተሳትፎ ብምጥንኻር ፍትሓውነት ንኽረጋገፅ ጠንኪረን ክሰርሓ ይግባእ ኢለን፡፡
ሚኒስትር ደቂኣንስትዮን ማሕበራዊ ጉዳይን ኤርጎጌ ተስፋዬ (ዶ/ር) ብግደአን÷ ደቂ ኣንስትዮ ኣብ መዳይ ዲፕሎማሲ ዘይትካእ ግደ ከምዘለወንን ብመንፅር እዚ መንግስቲ ንደቂ ኣንስትዮ ኣብ ኩሉ መዳይ ዘለወን ተሳትፎ ክድንፍዕ እናሰርሐ ምዃኑን ምግላፀን ግዜኢ ፀብፂቡ፡፡
እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦
ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana
ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/
ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision
ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/…
ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com