ደቂ ኣንስትዮ ክመሃራ ምግባር መሰለን ፈሊጠንን ኣኽቢረንን ብናፅነት ክነብራ ኣብ ምግባር ዕዙዝ ግደ ኣለዎ -ቀዳማዊት እመቤት ዝናሽ

ኣዲስ ኣበባ፣ 10 ለካቲት፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ደቂ ኣንስትዮ ክመሃራ ምግባር ተወዳደርቲን ተረባሐቲን ክኾና ካብ ምኽኣሉ ብተወሳኺ መሰለን ፈሊጠንን ኣኽቢረንን ብናፅነት ክነብራ ኣብ ምግባር ዕዙዝ ግደ ከምዘለዎ ቀዳማዊት እመቤት ዝናሽ ታያቸው ገሊፀን።

ቀዳማዊት እመቤት ዝናሽ ታያቸው “ነዓኣ ኣምሂርኩም ንኣፍሪካ ለውጡ” ብዝብል መሪሕ ቃል ኣብ ዝካየድ መበል 28 ስሩዕ ሓፈሻዊ ጉባኤ ትካል ልምዓት ቀዳማዊ እመቤታት ኣፍሪካ መኽፈቲ መደረ ገይረን፡፡

ኣብ መደረአን ድማ÷ “ደቂ ኣንስትዮ ክመሃራ ምግባር ተወዳደርቲን ተረባሐቲን ክኾና ካብ ምኽኣሉ ብተወሳኺ መሰለን ፈሊጠንን ኣኽቢረንን ብናፅነት ክነብራ ኣብ ምግባር ዕዙዝ ግደ ኣለዎ” ምባለን ካብ ቤት ፅሕፈት ቀዳማዊት እመቤት ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

ደቂ ኣንስትዮ ንምምሃርን ንምብቃዕን ብቤት ፅሕፈት ቀዳማዊት እመቤት ዝተሰርሑ ስራሕቲ እውን ኣብቲ መድረኽ ኣብሪሀን፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment