ደቂ ኣንስትዮ ኣባላት ቤት ምኽሪ ኣዲስ ኣበባ ቸኣብ ዝቕፅሉ ዓመታት ዝሐሸ ስራሕ ክንሰርሕ  ይግባእ – ከንቲባ ኣዳነች ኣቤቤ

ኣዲስ ኣበባ፣ 13 ሰነ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ሓፈሻዊ ጉባኤ ምስረታ ኮከስ ኣባላት ቤት ምኽሪ ኣዲስ ኣበባ 3ይ ዙር ዘበን መረፃ ሎሚ መዓልቲ ተኻይዱ፡፡

ወይዘሮ ኣዳነች ኣቤቤ ኣብቲ እዋን ከምዝበለኦ፥ ምውዳብ ሓይሊ ኢዩ፤ ምውዳብ ባዕሉ ግን ሽቶ ኣይኮነን፡፡

“ብምዃኑ ድማ እንትንውደብ ብዝቑፀርን ዝድህሰስን ስራሕ ክዕጅቦ ይግባእ” ኢለን፡፡

ኣብ ዝተረፉ ኣርባዕተ ዓማውቲ ዝቕፅላ ደቂ ኣንስትዮ ኣባላት ቤት ምኽሪ ካብ ኣናእሽተይ ዛዕባታት ብምውፃእ ኣብ ዋና ዕላማ ብምድሃብ ዝሐሸ ነገር ኣብ ምፍጣር ምስራሕ ከምዝግባእ ኣገንዚበን።

ኣፈ ጉባኤ ቤት ምኽሪ ኣዲስ ኣበባ ወይዘሮ ቡዜና ኣልቃድር፥ ውስንነት ተሳትፎ ደቂ ኣንስትዮ ክብ ንምባል እቲ ለውጢ ንደቂ ኣንስትዮ ዝፈጠሮ ሰናይ ዕድል ብምጥቃም ካብ ቃል ዝዘለለ ንምዕባለ እታ ከተማ ምስራሕ ከምዝግባእ ምግላፀን ካብ ቤት ፅሕፈት ከንቲባ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

Comments (0)
Add Comment